ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢራናውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ኣዘዛ

ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢራናውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ኣዘዛ

Radio Erena: 03 September, 2014

sudan Iran

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ኣዘዙ።

መንግስቲ ሱዳን ንባህላዊ ማእከላት ኢራን ኣብ ርእሲ ምዕጻዉ ብሃንደበት ንብሙሉኦም ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገሩ ዝሰጎሉ ዘሎ ምኽንያት ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዮሱፍ ኣል ኮርድፋኒ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሱዳን ዝጸንሓ ባህላዊ ማእከላት ንኣእምሮኣዊን ማሕበራውን ርግኣት ሱዳን ክዘርጋ ከምዝጸንሓ ወቒሱ።

 

እንተኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ካልኦት ምንጭታት ብዝህብዎ ዘለዉ ተወሳኺ ሓበሬታ ግና፣ እተን ናይ ኢራን ባህላዊ ማእከላት፣ ንእመንቲ ሱና ምስልምና ናብ ሺዓ ንምቕያሮም ክሰርሓ ጸኒሐን ዝብል’ዩ።

እቲ ኣብ 1988 ብኢራን ዝቖመ ማእከላት፣ ንተማሃሮ፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ጸለውቲ ኣካላት ማሕበረሰብ ሱዳንን ዒላማ ዝገበረ ንጥፈታት’ዩ።

ኢራን ብዛዕባ’ዚ ብሱዳን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ሱዳንን ኢራንን ኣብ ወትሃደራዊ መደያ ይተሓጋገዛ ምዃነን ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፣ ካብ መወዳእታ 2013 ኣትሒዘን ግና ብሰንኪ እዚ ናይ ሱና-ሺዓ ጽልዋታታ ክስሓሓባ ከምዝጸንሓ’ውን ይጥቐስ ኣሎ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0