ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ መበል 94 ዓመተ ልደቱ ብጽምዋ ጸምቢሉ

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ መበል 94 ዓመተ ልደቱ ብጽምዋ ጸምቢሉ

Radio Erena: 22 February 2018

mugabe sadኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ መበል 94 ዓመተ ልደቱ ብጽምዋ ጸምቢሉ።

ኣብ ዕለተ ልደቱ ሃገራዊ በዓል ብምእዋጅ፣ ብሚልዮናት ዶላራት ዝማዕረገ ጽምብል ብምክያድ ዝፍለጥ ሮበርት ሙጋበ፣ ትማሊ 21 ለካቲት መበል 94 ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ደቁ፣ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ኣዕርኽቱን ጥራይ ከምዝተረኽቡ ማዕከናት ዜና ካብ ሃራረ ሓቢረን።

 

እንተኾነ ሙጋበ ነታ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ዘተኣታተዋ፣ ኣብ 21 ለካቲት እትጽንበል ሃገራዊ በዓል፣ ትማሊ ተኸቢራ ከምዝወዓለት ተፈሊጡ።

ይኹን’ምበር፣ እታ ዕለት ሃገራዊ በዓል ኮይና ዝተኸብረትሉ ምኽንያት፣ ዕለት ልደት ሮበርት ሙጋበ ንምጽንባል ዘይኮነ፣ መዓልቲ መንእሰያት ዚምባብዌ ስለዝኾነት’ያ ክብሉ ሰበ ስልጣን ዚምባብዌ የረድኡ።

ን37 ዓመታት ንዚምባብዌ ዝመርሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ ከተማ ሃራረ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሓለዋ እናተገብረሉ ይነብር ከምዘሎ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0