ፕረዚደንት ኬንያ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኬንያ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 24 January 2017

Dji Ken

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንዝፈጸመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ ማዕከናት ዜና ካብ ናይሮቢ ሓቢረን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ናብ ኬንያ ዘምርሓሉ ኣውራ ዕላማ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ነታ ንኣደመንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ እትወዳደር ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፣ ዶክተር ኣሚና መሓመድ ዘለዎ ወግዓዊ ደገፍ ንምግላጽ’ዩ።

ፕረዚደንት ኬንያታ ብወገኑ፣ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንዝፈጸመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ንሕጽይቲ ተወዳዳሪት ኣደ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ኣሚና መሓመድ ምድጋፉ ኣመስጊኑ።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኬንያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኬንያ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ዘትዮም።

ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ንኣደ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያን ዶክተር ኣሚና መሓመድ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ደገፍ ንምርካብ ኣብ እትሓተሉ ዘላ እዋን፣ ብ10 ጥሪ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ኣይርሳዕን።

መበል 28 ስሩዕ ዋዕላ ዘካይድ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ 30 ጥሪ 2017 ሓዳስ ኣደ-መንበር ወይ ከኣ ሓድሽ ኣቦ-መንበር ክመርጽ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0