ናብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር ከምዝወድአ ክግለጽ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ናብ ቦርስያ ዶርትመንድ ወሲኑ

Radio Erena: 24 January 2017

Dort

ብ10 ሚልዮን ኤውሮ ናብ ስጳኛዊት ዓባይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር ከምዝወድአ ክግለጽ ዝቐነየ፣ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፣ ብሃንደበት ምስ ጀርመናዊት ክለብ ቦርስያ ዶርትመንድ ክጽንበር ከምዝወሰነ ማዕከናት ዜና ስፖርት ዓለም ሓቢረን።

ጉዳይ ተጻዋታይ ክለብ AIK ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ መልክዑ ዝቕየር ዘሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሪያል ማድሪድ ንብዙሓት ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ስዒራ ንኣሌክሳንደር ምስኣ ንምጽንባር ከም ዝተዓወተት ክግለጽ ድሕሪ ምቕናይ’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ማዕከናት ዜና ስፖርት ካብ ጀርመን ብቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ እዚ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ኣብ ድርኩዂት በጺሑ ንዝነበረ ናይ ሪያል ማድሪድ ውዕል ዕሽሽ ኢሉ፡ ምስ ጀርመናዊት ክለብ ቦርስያ ዶርትመንድ ክጻወት መሪጹ ኣሎ።

ነዚ ብ“the next Zlatan Ibrahimovic” ዝብል ቅጽል ስም ዝንኡ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ተጻዋታይ፡ ኣብ ኢዳ ንምእታው፣ ቦርስያ ዶርትመንድ 10 ሚልዮን ዩሮ’ያ ከፊላ።

እዚ መጠን’ዚ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ምስግጋር ኩዕሶ እግሪ ሽወደን እቲ ዝኸበረ ዋጋ እዩ።

1.90 ሜትር ቁመት ዘለዎ ኣሌክሳንደር ብዕድመ ዝነኣሰ፡ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዝለበሰን፡ ጐል ዘመዝገበን ተጻዋታይ ተባሂሉ ኣብ ሽወደን ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ ይርከብ።

NB፣ብዛዕባ’ዚን ካልእን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መደብ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀጥታዊ መደብና ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0