ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዑደት ንምክያድ ኣብ ዝተዳለወሉ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዑደት ንምክያድ ኣብ ዝተዳለወሉ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ፈጺማ

Radio Erena : 17 July 2015

Alshebab

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናብ ኬንያን ኢትዮጵያን ዑደት ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ደብዳብ ኣካይዳ።

ኦባማ ናብዘን ሃገራት ኣብ ዝመጻሉ፣ ኣልሸባብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ብምህላዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ክሊ ኣየርን ባሕርን ጽኑዕ ሓለዋ ንምክያድ ኣቐዲሞም ተዋፊሮም ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣልሸባብ ብፍላይ ንሓይልታት ኬንያ ብምብዳህ፣ ተደጋጋሚ እዋን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምኽኣሉ፣ ኣብ ኬንያ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ሶማል ዘዳብ ከባቢታት ጸጥታ ሃጓፍ ከምዘሎ’ዩ ዝግምገም።

 

ኣመሪካ፣ ኣብቲ ምስ ኬንያ ዘዳውብ ደቡባዊ ክፋል ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ደብዳብ ምክያዳ’ውን ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ጸጥታ ንምጥንኻር ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል እምነት ምዃኑ ይግለጽ።

በዚ ትማሊ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ብመኪና ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓያሎ ኣባላት እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝተቀትሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማል ሓቢሮም።

ኣልሸባብ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0