ፕረዚደንት ኣልበሽር ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣካይዱ

ፕረዚደንት ኣልበሽር ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣካይዱ

Radio Erena: 08 June 2015

Sudan Cab

ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ምቕይያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘካየደ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር’ውን ጌሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብቀዳም ምሸት ኣብ ብወግዒ ኣብ ሓበሮ ናይ ካቢነ ምቅይያር፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ነበረ ኢብራሂም ጋንዶር፣ ንዓሊ ኻርቲ ብምትካእ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሚኒስተር ምክልኻል፣ ፋይናንስን ካልኦት ኣባላት ካቢነ ምቕይያር ተጌርሎም ኣሎ።

 

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብዘይካ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምሉእ ምቕይያር ናይ ኣማሓደርቲ ዞባታት’ውን ምክያዱ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ምቅይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝተፈላለየ ትንታነታት ይህብሉ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0