ኣርከበ ፈታው ከበሮ ኣብ ስቶኮልም

ኣርከበ ፈታው ከበሮ ኣብ ስቶኮልም

Radio Erena: 05 June 2015

Kebero

    ወደን ኣብ ኣፍሪቃ እንተትኸውን ከ?

     ክንደይ ትሓስም ወደይ!… ዶ ትብሉኒ ኣልኹም? እወ ሓቕኩኹም።

     ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤርትራዊ እንታይ ምኾነ?

     መንግስቲ ሽወደን ዝቕልቦ ኤርትራዊ ሓሙሽተ ክፋላተ ሰራዊት’ዩ ዝበጽሕ። ሽወደን ብኤርትራውነቶም ዝሕበኑ ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኦም ዝተቐመጡዋ ኤርትራውያን መሊኦማ’ዮም። ብዝኾነ መልዓሊ ኣርእስተይ እንተ…ስለዝኾነ ዘሰክፍን ዘሻቕልን የብልናን። ከይተሰከፍናን ከይተሻቐልናን ክነውግዕ ኢና። ሽወደን ኣብ ኣፍሪቃ እንተትኸውን ከ?

                *******

     ሽወደን ብፍላይ እቲ ናብ ከተማ ስቶኮልም ዝተጸግዐ ክፋላታ ካብ ሰማይ ብላዕሊ እናክትዕዘባ፣ ዝተሰጥሐ ቆራብቲ’ያ ትመስል። ብፍላይ እኳ ቆርበት እንዳቦይ ኣርከበ።

     ካብ ቤት ትምህርቲ እንዳሊቁ ናብ መድሽቶ – ኣኽርያ ዘጽድፍ መንገዲ እናክትሕዝ፣ ካብ ማዕዶ ዝቕበለካ ትርኢት ኣሎ። ፈቐድኡ ዝተሰጥሐ ቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበ’ዩ። ኣቦይ ኣርከበ ኣብ ኣኽርያን ከባቢኡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ሰንበልን ጎዳይፍን ዝኸደ ግኑን ስም ዘለዎም ሰራሕ ከበሮ’ዮም። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፣ ህዝቢ ኣኽርያ ዝሓረዶም ጤሌ-በጊዕን ንጉዚ ዘውደቖም ከብትን፣ ቆራብቶም እንዳቦይ ኣርከበይ’ዩ ኔሩ መዕለቢኦም። እንተ ሎሚ ዝተቀልጠት ቆርበት መዕለቢኣ ናብ መንግስቲ ኮይኑ ኣሎ። ዋላ’ውን ቆርበት ሰብ። እቲ ሽዑ ግና ጥዑዩ – ቀዳዱ፣ ‘ቆርበት ናብ እንዳኣረከበ ውሰድዎ’ዩ ዝብሃል ዝነበረ። ናይ ማቻላዮ ተሞክሮ ዝወሓዶም መናእሰይ ኣኽርያ ትጽውት ዝወዓልሉ ቆራብቲ ከኣ ካብ ማዕዶ ተሰጢሑ ይርአ። ተፋሑቑ፣ ለፊዑ፣ ለስሊሱ መታን ከበሮ ክስራሕ።

     ኣያ’ርከበ’ውን ካብዚ ነቒሉ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ እልቢ ዘይብሉ ቆራብቲ እናሰጥሐ ንከበሮ ዘዳልዎ። ከበሮ፣ ተሰሪሓ ምስተወድአት’ውን እቲ ምስጣሓ ዘዕርፍ ኣይኮነን። ኣጸቢቓ ክትነቕጽ’ሞ ግርም ትሪምሪም ክትብል’ዩ እቲ ሓሳብ።

     ህዝቢ ኣኽርያ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዋላ’ውን ህዝቢ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ጉዳም’ዩ ከበሮ ክፈቱ። ንፈታው ከበሮ፣ ብዝሒ ሰራሕቲ ከበሮ’ዮም ፈውሱ’ሞ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ኣቦይ ኣርከበታት ንምውናን ዝበቕዐት ኣህጉር’ያ። ሳላ ከበሮ ኣያ’ርከበ፣ ዝዓመረ ዳሳት’ውን ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ። መናኹበን ክሳብ ዝስላዕ ዝተቖጻጸያ ኣዴታትን መዳስ ኢዶም ብምድሳቕ ከበሮ ዝዓዝዐዘ ኣጕብዝን፣ ‘ኣያ’ርከበ ወሓለ!” ንኢዶም።

Corbet

     ኣቦይ ኣርከበ፣ እዝኖም ዝጻንዖም ሰብኣይ ነበሩ። ንዝሰጥሕዎ ቆራብቲ፣ ካብ ኣኽርያን መደሽቶን ዝተኣኻኸቡ ኣኽላብ ብግዲኦም አእጃሞም ይበጅሉ። ቆርበት ቅርጻ ክሳብ ዝቕየር ዘዘርከበ ንእሽቶ ይጨርመላ። ኣቦይ ኣርከበ ጥበበኛ ሰራሒ ከበሮ ስለዝነበሩ ዝተበጃጀለ ቆራብቲ ንመወደሲ ሃንሰ- መስቀለ ዝኸውን ንኣሽቱ ከበሮ የውጽእሉ። ኣኻልብ ምብጃል ቆራብቲ ስለዘይዕረፉ ግና ኣቦይ ኣርከበ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣኽላብ ብምዕባይ ነቶም ወራር ዝወፍሩ ኣኽላብ ከምዘባርሩ ገበሩ።

     ዝተሰጥሐ ቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበ ብማዕዶ እናክትርእዮ፣ ገለ ገለ እዋን ዘሰንብድ ገለ ገለ እዋን ድማ ዘገርም ትርኢት ካብ ምሃብ ኣየቛረጸን። ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ናይ ስቶኮልም ንምዕላብ ካብ ሰማይ ንቁልቁል ተነቝተ እናኽዕዘብ፣ ስቶኮልም ካብዚ ትርኢት እዚ ዝፍለ ምስሊ ኣይረኣኹላን።

     ኣብ ጉዕዞይ፣ ኣብ ጎነይ ምስ ዝተቐመጠ ገያሻይ ምልላይን ምዕላልን ባህ ካብ ዘብሉኒ ነገራት’ዩ። ብዙሕ ተሞክሮ ህይወት ሰባት ንምልላይ ሓጊዙኑ’ዩ። ሰብ ይመሃር ኣይመሃር ብዘየገድስ እቲ ዝዓበየ መምህር’ዩ። ክመሃር ልቡ ንዝኸፈተ ሰብ በጊዕ’ውን ውሕልልቲ መምህር ምዃና ካብ ብራዚላዊ ደራሲ ፓውሎ ኮሄሎ ክመሃር ክኢለ’የ። ሳላ ድረስት ብራዚላዊ ኮሄሎ- ዘ ኣልኬሚስት፣ በጊዕ ካብ ሰብ ንላዕሊ እታ ጨለ መምህር ምዃና ግርም ተረዲኡኒ። ኣቦይ ኣርከበ ንበጊዕ ብቆርበታ’ዩ ዝብህጋ ዝኸውን። ፈተወቲ ጮማ ኸኣ ብስግኣ ይፈትዉዋ።

     ስዑዲ ዓረብ ብስገአን ዝበሃገተን ኣባጊዕ ኣውስትራልያ፣ ብመርከብ ተጻዒነን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝበጽሓሉ ጥቕምቲ 2003 ትዝክውርዎ ዶ? እተን ኣባጊዕ ስጋ ሓሰማ ዝተሓወሶ ቋርፍ ይቕለባ ምንባረን ግዲ ሕሹኽ ኢለን፣ ምድሪ ዓረብ ከይረግጻ ተኣጊደን’የን። ኤርትራ ድማ ስጋአን ሲ ባዕሉ ምፈለጠ ቆርበተን ደኣ ብሂጋ። ምናልባት ኣቦይ ኣርከበ ከም ኣማኻሪ ቆርበት ተዓዲሞም ኔሮም ይኾኑ። ብዝኾነ በጊዕ ብቆርበታን ብስግኣን ዝብህጋ ብዙሕ’ዩ። ኣነ ግና ጨለ መምህር ምዃና ፈትየያ ኣለኹ። ዕድመ ንኮሄሎ።

     ኣብዛ ናይ መወዳእታ ናይ ሽወደን ጉዕዞይ’ውን ኣብ ጎነይ ምስ ዝነበረ ኦስትራዊ ገያሻይ ናይ ቋንቋ መሰናኽል ገጢሙና ኣሎ። በጊዕ እንተዝኾነለይ ተመነኹ። ዝያዳ መታን ከውግዖ። ብምልክት ኢድን ምንቅናቕ ርእሰን ተሓጊዝና ዝፈተናዮ ምርድዳእ፣ ዜግነቱ ካብ ምፍላጥ ከሕክልፈና ኣይከኣለን። ካብዚ ንደሓረ ብመስኮት ነፋሪት የዒንተይ ናብ ምድሪ ነቁተ ክዕዘብ መሪጸ ኣለኹ። ከም ወዝቢ ከኣ ንከባቢታት ስቶኮልምን ቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበን ምምስሳል ረኸብኩሎም።

     ሽወደን ነዚ ትርኢት እዚ ክትሕዝ ዝገበራ፣ ማያዊ ክፋላ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ መሬት እዛ ከተማ ብፍላይ እኳ እቲ ምብራቓዊ ሸነኻ ብማይ ዝተመቃቐለ’ዩ።

     ሽወደን ብመልክዕ-ምድርን ዝተህንጹላ ትሕተ ቅርጽን ምስ ፈረንሳ ትወዳደር ሃገር ኣይኮነትን። ኣብ ጎደናታት ፖሪስ ዝዓንደረ ገያሻይ ብከተማ ስቶኮልም ክድነቕ ኣይክእልን’ዩ። ግና ሽወደን ብዙሓት ሃገራት ክሃንጽኦ ዘይክኣላ ሓደ ዘደንቕ ነገር ሃኒጻ’ላ። ማሕበራዊ ድሕነት። ኤርትራውያን’ውን ነዚ ኣብ ገዛ ዓዶም ዘይረኸብዎ ማሕበራዊ ድሕነት ንምርካብ’ዮም፣ ዶብ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሰሃራ፣ ሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ፣ ደንማርክን ካልኦት ሃገራትን እናሰናጠቑ ናብዛ ካብ ሰማይ እናክትዕዘባ ዝተሰጥሐት ቆርበት ኣቦይ ኣርከብ እትመስል ሃገር ዝውሕዙ።

sto3

     ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ቅድሚ ምዕላበይ ነቲ ካብ ጻት ንጻት ተዘርጊሑ ዝርአ ክፍልፋል ማይን መሬትን ደጋጊመ ተዓዚበዮ። እዛ ሃገር ሲ ኣብ ኣፍሪቃ ኔራ እንተትኸውን ከ…? ዘይግብራዊ ሓሳብ ወሓጠኒ።

     ህብብቲ ድምጻዊት ሰዛርያ ኢቮራ፣ ‘ንእሽቶ ሃገር’ ብቛንቋ ፈረንሳ ‘petit pays’ ዝደረፈትላ ትውልዲ ዓዳ – ኬፕ ቬርደ፣ ብእኽብካብ ኣዝየን ንኣሽቱ ደሴታት ዝቖመት’ያ። ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 570 ኪሎሜተር ርሒቀን ዝርከባ ንኣሽቱ ደሴታት ኬፕ ቨርደ፣ ምስ ኣፍሪቃ ዘይኮና ምስ ደሴታት ኣትላንቲክ ክጽብጽብወን ዝቀሎም ኣለዉ። ኬፕ ቨርደ ግና ኣፍሪቃ ክትብሃል’ያ ትመርጽ። ዋላ’ኳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝረመሰ ሕማማት ስልጣን ኣብዛ ሃገር ብዙሕ ዘይርአ እንተኾነ። ኬፕ ቨርደ ምስዘለዋ መሬታዊ ኣቃውማ፣ እዚ ንኣፍሪቃ ዝረመሰ ሕማማት እንተዝጸልዋ፣ ምናልባት እንተወሓደ ናብ ሰለስተ ሃገራት ተጎዛዝያ ምሃላወት። ከም ወዮ ኣኻልብ መደሽቶ ንቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበ ዝበጃጅልዎ፣ ካብ ዓቢ ከበሮ ናብ መወደሲ ሃንሰ-መስቀለ ምወረደት፣ ኬፕ – ቨርደ!

     ብእኽብካብ ደሴታት ዝቖማ ሃገራት ብዙሓት’የን። ኣውራ እትጥቀስ ፊሊፒንስ’ያ። ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ደሴታት ሓቑፋ ከም ሓንቲ ሃገር ትቕጽል ኣላ። ፊሊፒንስ ከ ኣብ ኣፍሪቃ ኔራ እንተትኸውን? እንተታት መታን ከይበዝሓና ግና ናብ ሽወደንን ቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበን ደኣ ንመለስ።

                                                                ********

     ኣቦይ ኣርከበ ወናም ሰራሕ ከበሮ ደኣ ነበሩ’ምበር፣ ብሳዕስዒት ሲ ኣይፍለጡን። እንተዝፍትኑ’ውን እዝኖም ስለዝጻንዖን፣ ከበሮን እግርን ነንበይኑ እናኾነ መሸገሮም። ምስዚ ኹሉ ግና ‘ኣርከበ ፈታው ከበሮ’ ክሳብ ዝብሃሉ፣ ውሕሉል ሰራሕ ከበሮ ነበሩ። ድምጽታት ከበሮ ከመይ ይፈላልይዎ እዝግሄር ዋንኡ። ወናማትን ፈላጣትን ተሓርዮም ካብ እንዳቦይ ኣርከበ ከበሮ ምረጹ ክብሃል ግና ብእዝነይ ሰሚዐ ኣልኹ።

     ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ’ዩ። ቀበሌታት ብከብሮ ዓቢደን ዝነበራ። ቀብሌታት ገዛ ዑበል፣ ማይ ምዳገትን ኣንድነትን ናይ ኣኽርያ፣ ፈላጣት ዝተባህሉ ኣባላት ‘ኪነት’ ልኢኸን ካብ እንዳቦይ ኣርከበ ሸሞንተ ከበሮታት እናኽዕድጋ፣ ከበሮም ንኽስከሙ ዝተሓርዩ መንእሰያት ካብ ዘሰነዩ ቆልዑ ኮይነ ምዃደይ ይዝክር። ቀበሌታት ብከበሮ ዝዓመረሉ እዋን’ዩ። መስከረም ክልተ (መዓልቲ ኣብዮት)፣ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ማሕበራት ደቂንስትዮ (ኣኢሰማ) መንእሰያት (ኣኢወማ)ን ካልኦትን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት፣ ኣበርክቶ ከበሮታት ኣቦይ ኣርከበ ግዙፍ’ዩ።

     እንዳሽንትን ጎሓፍን ዝርከበሉ ከባቢ ምስ ምዃኑ’ውን ምስ መዛኖይ ናብ እንዳቦይ ኣርከበ ብብዝሒ ተመላሊሰ ኣለኹ። ካብ ኣያ’ርከብ ንላዕሊ ዝተሰጥሐ ቆራብቶም’የ ዝዝክር።

     ኣቦይ ኣርከበ ክንደይ ዝኣክል ከበሮ ኣፍሮም ርእሱ ዝኸኣለ መጽናዕቲ የድልዮ። ገለ ካብዚ ከበሮታት’ዚ’ውን ኣብ ሽወደን ከምዝርወረደ ሰሚዐ ኔረ። ካብ ሽወደን ተለቂሑ ናብ ኖርወይ፣ ስዊዘርላንድን፣ ሆላንድ፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን’ውን ተንቀሳቒሱ’ዩ ይብሃል’ዩ። ኣቦይ ኣርከበ ናብ ሽወደን ኣይተሰድን። ከበሮታቱ ግና ክሳዕ ኩላ ወሰን ምድሪ ኣብ ስደት ይርከብ።

Kebero2

     መስከረም ሓደ (ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ)፣ መዓልቲ ደቂንስትዮ (ብሃማደኤ)፣ ፈስቲቫል መንእሰያት (ብሃማመተኤ) ብኸበሮ ካብ ዝስነዩ ግኑናት ጽምብላት’ዮም። ከም ኣያ’ርከበ ዝኣመሰሉ ወሓላሉ ሰራሕቲ ከበሮ እንተዘይህልዉ ፌስቲቫላትን መዓልቲ ናጽነትን ኤርትራን ድብንብን ምበል።

     ፈስቲቫላትን መዓልቲ ናጽነትን ኣብ ኤውሮጳ እንክዝክር፣ ኣብ ኣእዛነይ እተድሂ ቦታ ከተማ ስቶኮልም ኣላ። “ኤርትራውያን ነበርቲ ከባቢ ስቶኮልም፣ ኣብ ‘ሁስቢ ትረፍ’ መዓልቲ ናጽነት ጸንቢሎም።” ብኤሪ ቲቪድም ድምጺ ሓፋሽን ዓመት መጸ ይደጋገም ስለዝነበረ።

     ሁስቢ ትረፍ እንታይ ኮን ትኸውን ምስጢራ? ማዕረ ሓወልቲ ኣኽሱምን ኣይፍል ታወርን ንምርኣያ ኣይተሃንጠኹን። ብኡ ምሕላፍ ጥራይ ግና ንታሪኽ ሽወደንን ከበሮ ኣቦይ ኣርከበን ዘተኣሳስረለይ ኮይኑ ተሰምዓኒ። እንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰማይ ተነቑተ ስቶኮልም ምስቲ ገና ከበሮ ዘይኣኸለ ቆራብቲ ኣቦይ ኣርከበ ተመሳሲላትኒ ኣላ።

     “ሁስቢ ትረፍ ኣበይ’ዩ?” ስቶኮልም ዝረገጽኩላ መዓልቲ ዝሓተትኩዋ ሕቶ ነበረት።

     ምስ ሁስቢ ዘሎኒ ናይ ማዕዶ ፍቕሪ ብዘውጋዕክዎም ከኣ፣ ዘእንገዱኒ ኣጋይሽ ናብ ሁስቢ መርሑኒ። ሺስታን ሁስቢን ዝብሃል ከባቢታት ስቶኮልም ብስደተኛታት ዝተፈልጠ ምዃኑ ንእግረ መንገዶም እናውግዑኒ’ዮም። ሁስቢ ዝነበረ ኤርትራዊ መብዛሕቱ ፋሕ ክብል ተገዲዱ’ዩ። ከበሮታቱ’ውን ምስኡ። ሁስቢ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሶማላውያን እናተዓብለለ ይመጽእ ኣሎ። ብፍላይ ሺስታ፣ ካብ ከባቢ ስቶኮልም ንላዕሊ ኣዲስ ኣበባ፣ ሶማሊ ተራ’ዩ ምባል ይቐልል። ህዝቢ ሶማል ብብዝሒ ተሰዲዱ’ዩ። ዕግርግሩ ድማ ምስኡ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ማዕሪኡ ተሰዲዱ። ከበሮኡ ድማ ምስኡ። ከበሮን ዕግርግርን እዚ ህዝብታት እዚ ኣብ ስቶኮልም ብዝኸድካዩ’ዩ ዝቕበለካ።

                                                                        *******

     ኣብ ማእከል ስቶኮልም ናብ ዝርከብ፣ ኤርትራውያን ከም መቋጸሪ ዝጥቀምሉ እንዳቦይ ዮሴፍ የምርሕ ኣለኹ። ኣቦይ ዮሴፍ ኣብ ስቶኮልም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተፈልጡ’ዮም። ዝፍልጥሉ ምኽንያት ኣይፈለጥኩን። ምስ ኣቦይ ዮሴፍ ንምልላይ ኣእጋረይ ካብ ንቡር ንላዕሊ ቀልጠፋ።

     “በጺሕና ኣሎና፣ ኣቦይ ዮሴፍ እንሃለካ፣” ጆን’ዩ። ሓደ ካብ ዝፈትዎም መቕርበይ፣ ኢዱ እናዘርግሐ ናብ ሓደ ለይላይ ሓወልቲ ዕድመ ደፋእ ዘበለ ሰብኣይ። እቲ ሓወልቲ ኣዛን ነበረ። ሓወልትን ኣዛንን።

     “ነዚ ሓወልቲ ደኣ ስለምንታይ ኣቦይ ዮሴፍ ኢልኩሞ?” እናሰሓቕኩ’የ።

     እቲ ሓወልቲ ስለምንታይ ኣቦይ ዮሴፍ ተባሂሉ ዝፈለጦ የብሉን- ጆን። እንታዋይ ምዃኑ’ውን ኣይፈለጠን። ሓወልቲ ናይዚ ብዙሕ ሻዕ ዝተመላለሶ ኣቦይ ዮሴፍ ዘይምፍላጡ ስኽፍክፍ እናበሎ ኸኣ፣-

     “ኣብ ስቶኮልም ዘሎ ሓወክልቲ ክንደይ ክንብሎ ኢልካና። ደሓር ከኣ እቶም ቀደም ዝመጹ’ዮም ኣቦይ ዮሴፍ ኣጠሚቖሞ።”

     ኣብ ስቶኮልም ኮነ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ዘሎ ብዝሒ ሓወልቲ ኣዲኡ ትቑጽሮ’ዩ ዘብል። ኤውሮጳውያን ንእሽቶ ትኹን ዓባይ ታሪኾን ንምዕቃብ ዝጥቐምሉ ስለቲ’ዩ።

     ሓወልቲ ኣቦይ ዮሴፍ፣ ምናልባት ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ሓወልቲ ኣቦይ ፑሽኪን ምህናጹ፣ መንግስቲ ሽወደን ሓጎሱ ንምግላጽ ዘቖሞ ዶ ይኸውን? ጽሉል ሓሳብ’ዩ። ሓወልቲ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ተሃኒጹ’ሞ ንሽወደን እንታያ’ዩ። ኣበርክቶ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ንኢሱሲ፣ ካብ ዓዲ ጓና፣ ሰብ ዝና እናዛመድካ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ምህናጽ፣ ኣዝዩ ካብ ዘጉሃየኒ ፍጻሜታት’ዩ።

     ኣብ ኣእዛኑ ምስዚ ናይ ስቶኮልም ሓወልቲ ዝመስል ኤርትራዊ ኣቦይ ዮሴፍ ኣብ ገዛ ከኒሻ ይፈልጥ’የ። እዚ ኣብ ቅድመይ ዝዕዘቦ ዘለኹ ሓወልቲ ኣቦይ ዮሴፍ ግና ብዘይካ ኣብ እዝኑ ናይ ኤርትራዊ ምስሊ የብሉን።

     “ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶኮልም፣ ነዚ ኣዛን ሓወልቲ፣ ኤርትራዊ መንነት ምሃቦም፣ ካብ መበቆሎም ክርሕቁ ንዘይምድላዮም’ዩ፣ ” ተፈላሰፍኩ።

     “ኣቦይ ኣርከበ’ እንተዝብልዎ ዶ ዝያዳ ትርጉም ምሃለዎ? ንወሓለ ሰራሒ ከበሮ ኣቦይ ኣርከበ’ሞ ኣበይ ይፈልጥዎ። ደሓር ከኣ ዝልሃይሉ ከበሮታት ደኣ’ምበር፣ ሰራሕ ከበሮ ኣይንታዮም’ዩ። እሞ እንተተገደደ ዋላ ነቲ ፈታው ከበሮ ዘይብልዎ፣” ምስ ገዛእ ርእሰይ ንትርኽ ኣተኹ።

aboy yos

     ታሪኽ ከበሮ ምስ መበቆል ደቂ ሰብ ኣብ ኣፍሪቃ’ዮም ዘተሓሕዝዎ ተመራመርቲ ስነ ሰብ። ከበሮም ብመልክዓን ቅርጻን እናተቐያየረት ዘመናዊት ኮይና ኣላ። ግርማ ከበሮ፣ ካብ ተሓንጊጡ ዝድሰቕ ናብ በጻብዕቲ ዝጠዋወቕ ወዲቑ ኣሎ።

     ከበሮ ዘወናውኖም ወናማት ጀሪካናት ብምድሳዕን ኣፍልቦም ብድራዕን ተሃኖም ከውጽኡ ተዓዚብና ንኸውን ኢና። እሂናይ ደኣ ኸ! ገድሊ ኤርትራ ርእሱ ከይከኣለ፣ ኣብቲ ጽንኩር እዋናት ናይ ከበሮ ዕማሙ ብጀሪካናት’ዩ ሓሊፍዎ። ኣብ ገድሊ ሓያሎ ኣያ’ርከበታት ኔሮም’ዮም። ቆራብቲ ጤለ-በጊዕን ከብትን ግና ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይነበረን። ቆርበት ገመል ከኣ፣ ኣይተለምደን። ገመል ብጸይቲ ሰውራ ኤርትራ’ያ። ብቆርበት ብጻይካ ከበሮ ምስራሕ ነውሪ’ዩ ዝነበረ። እንተ ሎሚ ብቆርበት ገመል ዘይኮነ ብቆርበት ሰብ ዝተሰርሐ ከበሮ ንልሃየሉ ኣሎ። ካብ ከበሮ ኣቦይ ኣርከበ ብቆርበት ሰብ ብዝተሰርሐ ከበሮ ዝያዳ ወኖም ዘለዓዕለሎም ኤርትራውይን ኣብ ስቶኮልምን ካልኦት ሃገራትን ገጢሞሙኒ ኣለዉ። ካብ ቆርበት ሰብ ብዝተሰርሐ ከበሮ ምልሃይ ፋሽን’ዩ።

     ኣቦይ ኣርከበ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ኣይፈለጥኩን። ግና ብዙሓት ወሓለታት ሰራሕቲ ከበሮ ፈርዮም ምህላዎም እዚጊ ምስክር’ዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ፈታው ከበሮ በዚሑ ኣሎ። ፈታው ከበሮም ከበሮን ክደሳሰቁ ክነብሩ’ዮም።

     “ብዙሕ ዘረባ ዝፈቱ፣ ፍርቂ ሓሳባቱ’ዩ ዝቐትል፣” ካብ ዝመሰጣኒ ሓሳባት ሊባኖሳዊ ገጣማይ ኻሊል ጂብራን’ዩ። ከበሮ ዝፈቱ ሰብ ኸ እንታይ’ዩ ይቐትል ይኸውን? ካባኻትኩም ካብ ለባማት ክሰምዖ ምደለኹ።

 

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ስቶኮልም

03 ሰነ 2015

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0