ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕ/ኢ ዓረብ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 03 Januray 2016

Presi in UAE

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብሰኑይ 2 ጥሪ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ’ውን ገሊጸን።

ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ እትረኽቦ ዘላ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታትን ኣምሳይኡ ንኤርትራ ዝግበር ሓገዛትን ዘተኮረ ምንባሩ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ መራኽባን ነፈርቲ ኵናታን ኣብ ወደብ ዓሰብ ይዓርፋ ምህላወን ብሰፊሑ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ ጥራይ’ዩ ዝጠቕስ።

ይኹን’ምበር፣ ብዘይካ’ቲ ንመራኽብን ንነፈርቲ ውግእን ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት፣ ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን’ውን፣ ብሓገዝ ኢማራት ኣብ ከባቢ ዓሰብ በብእብረ ይስልጥኑ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና የመን ይጠቕሱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0