ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ልዕሊ 8 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተሰዊሮም

Radio Erena: 03 January 2017

Swiss Migrants

ኣብ ዓመተ 2016 ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ 800 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 8166 ሰባት ፣ ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ ከይሓበሩ፣ ካብቲ መስርሕ ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም፣ ካብ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ዝተሰወሩ ሰባት፣ ገሊኦም ዑቕባ ከምዘይወሃቦም ስለዝጠርጠሩ ገሊኦም ድማ ስድራቤታቶም ናብ ዝርከብሉ ሃገራት ዝገዓዙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ፣ ኣፈኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ማርቲን ሬሽሊን ንኣገልግሎት ዜና ATS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት።

ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣቕሪብዎ ብዘሎ ዝርዝር ድማ፣ ካብቶም ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሕዳር 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተሰወሩ ሓተቲ ዑቕባ፣ እቶም 801 ዜጋታት ኤርትራ ክኾኑ እንከለዉ፣ 792 ዜጋታት ጋምብያ፣ 716 ካብ ናይጀርያ፣ 508 ካብ ጊኒ፣ 504 ካብ ኣልጀርያ፣ 494 ድማ ካብ ሶማል ዝመጹ’ዮም።

እዚ ቁጽሪ ድማ ብድምር 40% ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት  ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተቱ ብዝሒ ስደተኛታት የጠቓልል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ 4943 ሰባት ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ከምዝተሰወሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብብዝሒ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ስዊዘርላንድ፣ ንመስርሕ ምሕታት ዑቕባ ንምንውሑ ኣብ ርእሲ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ሰባት ነናብ ሃገሮም ንምጥራዝ’ውን መደብ ኣለዋ።

ነዚ ንምትግባር መንግስቲ ስዊዘርላንድ ብቐዳምነት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ተበግሶታት ይወስድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዘለዉ ስደተኛታትን ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባን፣ ናይ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0