ምስ ስርሒት ፎርቶ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ከምዝተለቑ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 04 January 2016

Kafono

ምስ ስርሒት ፎርቶ ብዝተሓሓዝ ካብ ለካቲት 2013 ኣትሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ሳልሕ መሓምድ ዑመር (ካፈኖ) ከምዝተለቐ ይግለጽ ኣሎ።

ብቋንቋ ዓረብ እትዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ንምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ደቡብን ዝነበረ ሳልሕ ካፈኖን ኣዛዚ ክፍሊ ሃንደሳ ኮለነል ዮሱፍ መሓመድን ብዓርቢ 30 ታሕሳስ 2016 ተለቒቖም ኣለዉ።

ኣብ 21 ጥሪ 2013፣ ብኣዛዘቲ ሰራዊት ኣብ ዝተመርሐ “ስርሒት ፎርቶ”፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብቲ ስርሒት ተሓባቢሮም ዝተባህሉ 10ታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዝተቐየዱ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን፣ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብርን፣ ሚኒስትሪ ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ፣ ሜጅረ ጀነራል ዑመር ጠዊል፣ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮለነል መሓመድኑር፣ ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ደቡብ ሳልሕ መሓመድ ዑመር (ካፈኖ)፣ ኣዛዚ ሃንደሳ ኮለነል ዮሱፍ መሓመድ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ነበር ዑስማን እድሪስ ጅምዕ ካልኦትን ይርከብዎም።

ኣብቲ ብ”ስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ናይ 21 ጥሪ 2013 ፍጻሜ፣ ብ’ወዲ ዓሊ’ ዝፍለጥ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ከምዝተሰውአ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብ ፎርቶ ዝተኻየደ ለውጢ ዝጽዕ ስርሒት፣ “እስላማዊ ምንቕስቓስ” ክብል’ዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ስዉር ፕሮፖጋንዳ ኣካይድሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0