ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብጉዳይ ስደተኛታት ናብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት መልእኽቲ ሰዲዱ

Radio Erena: 10 November 2016

Issu Nago

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለዩ መርሕቲ ሃገራት መልእኽቲ ከምዝሰደደ ማዕከን ዜና እቲ መንግስቲ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፣ ብዛዕባ’ዚ ህሉው ኩነታት ዋሕዝ ስደተኛታትን ዝግትኣሉ ኣገባባትን ብዝምልከት ዝተፈላለየ ነጥብታት ከምዝዘርዘረ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ መልእኽቲ ዝሰደደሎም መራሕቲ ሃገራት ግና ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝሰደዶ መልእኽቲ፣ ናብተን ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኤርትራ ፣ሓንቲ ካብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ዝስደዱ ዘለዉ ሃገራት ዓለም ምዃና ሰነዳት የመልክቱ።

ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ’ዚ ካብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻሊ ዝርርባት የካይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ’ዩ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዝእመነሉ።

ሕብረት ኤወሮጳ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንኸመሓየሽ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ምልጋስ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ክገትእ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል እምነት፣ ነቲ መንግስቲ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝሰልዓሉ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ካብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ዝኾነ ለውጢ ከምዘየርኣየ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን የመልክት።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0