ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘትየን

Radio Erena: 11 November 2016

Igad Mig

ወከልቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።

ኣገልግሎት ቻይና ሽንሁዋ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ ካብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጅቡቲን ኡጋንዳን ዝተወከሉ ሰበ ስልጣን፣ ብሮቡዕ 9 ሕዳር ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ንኩነታት ዋሕዚ ስደተኛታት እትከታተል ኮሚተ ንምቛም ተሰማሚዖም።

ሃገራት ኢጋድ ነዚ ተበግሶ ዝወስዳ ዘለዋ፣ ድሕሪ’ቲ መራሒት ጀርመን ኣንገላ መርከል፣ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ዑደት’ዩ።

ጀርመን፣ ምስተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ብፍላይ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ብምትሕብባር፣ እቲ ዋሕዚ ዝግትኣሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ’ያ ትርከብ።

ይኹን’ምበር ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ከም ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ማሕበራውን ኩነታት ከይተለወጠ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዘተን ኣኼባን ጥራይ ከምዘይፍታሕ፣ ህሉው ኩነታት ዝምስክሮ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ብደረጃ ሚኒስተራት ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ፣ ንኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ኣይነበረን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0