ሸሞንተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ዘትዮም

Radio Erena: 10 November 2016

Libya Cris

ሸሞንተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሊብያ ንምዝታይ፣ ብሰሉስ 8 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ ሸውዓተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ቻድ፣ ኣልጀርያ፣ ኒጀር፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኮንጎ ብራዛቪልን’ዮም።

እቲ ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ፕረዚደንት ቻድን እድሪስ ደቢ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዘተ፣ እታ ድሕሪ ምውዳቕ ቐዛፊ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ማእከላይ መንግስቲ ከተቕውም ዘይክኣለት ሊብያ ንምሕጋዛ እንታይ ክግበር ይክኣል ኣብ ዝብል’ዩ ኣተኵሩ።

ኣብቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፍሉይ ዘተ ሊብያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሊብያ፣ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃን’ውን ብደረጃ ተዓዛብነት ተሳቲፎም።

ኣብቲ ፍሉይ ዘተ፣ መራሒ ናይቲ፣ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ብሃገራዊ ባይቶ ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ናይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ንሊብያ ወኪሉ ከምዝተሳተፈ መርበብ ሓበሬታ ሊብያ ሄራልድ ሓቢራ።

ሊብያ፣ ንከተማታትን ዞባን ብዝተቖጻጸሩ ሚሊሻታት ትምሓደር ዘላ ኮይና፣ ማእከላይ መንግስቲ ንምቛም ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከኣ ክዕወት ኣይከኣለን።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ከተማ ጠራብሉስ ወጻኢ ንካልእ ክፋል እታ ሃገር ከመሓድር ኣይከኣለን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0