ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ማይ ኣብ ዝጭነቀሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ፕሮጀክት ማይ መሪቑ

Radio Erena: 04 May 2020

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እዋን ብዋሕዲ ማይ ኣብ ዝጭነቐሉ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ማይን መስኖኣዊ ሕርሻን ዘተኮረ ፕሮጀክታት መሪቑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቐት ገደቡ ካብ ዝሓልፍ ዓመታት ኣቝጺሩ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መራሕትን ሚኒስተራትን ንህዝብታቶም ኣብ ዘረጋግእሉን ድሕሪ ኮረና ቫይረስ ንዝህሉ መደባትን ድማ ብዝርዝር ኣብ ዝገልጽሉ እዋን፣ ንሱ ብኣንጻሩ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምክያድ፣ መደባት ልምዓት እታ ሃገር ክምረቕ ምምራጹ፣ ተወሳኺ ንዕቐት ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ዘጉልሕ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ርይቶታቱም ዝህቡ።

ሓካይም ብመንገዲ ኤሪቲቪ ኣብ ዝገብርዎ ጎስጓስ “ኢድኩም ተሓጸቡ” ክብሉ እንከለዉ፣ ህዝቢ “ማይ ካበይ ኣምጺእና ክንሕጸብ? ንጎሮሮና ዘይተረኽበስ ንኢድና?” እናበለ ክሓታት’ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0