ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንኮረና ዝዋጽእ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራውያን ናብ ባንክ ጋዝፕሮም ናይ ሩስያ ይሰጋገር ኣሎ

Radio Erena: 04 May 2020

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብስም መኸተ ንኮረና ቫይረስ ብመንገዲ ኤምባሲታት ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ፣ ኣብ ሩስያ፣ ባንክ ጋዝፕሮም ናብ ዝርከብ ሕሳብ መንግስቲ ኤርትራ ይሰጋገር ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ናይቶም ገዛውቲ ከስርሕ ዝጀመሩ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ገዛውቶም ኣብ ምዝዛም ስለዝቐረበ፣ ዝተረፈ ገንዘብ ናብቲ ብስም ባንክ ንግዲን ኣባይቲን ኤርትራ፣ ሩስያ ዝተኸፍተ ናይ ባንክ ሕሳብ ከሰጋግሩ ይሕበሮም ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ክስርሓሎም ናይ ዝጀመረ ገዛውቲ ገንዘብ ናብ ኤምባሲታት ዘይኮነ ብቀጥታ ናብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ፣ ባንክ ጋዝፕሮም ከሰጋገሩ’ዩ ክሕበሮም ጸኒሑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት፣ ናይ ባንክ ሕሳባቱ ናብ ቻይናን ሩስያን ከሰጋገር ከምዝጸንሐ’ዩ ዝሕብር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0