ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ብሕቡእ ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ተኸቲቡ ክትብል ዝገለጸት ጋዜጣ ልዕሊ 80 ሽሕ ዶላር ክትክሕስ ተፈሪዳ

Radio Erena: 11 April 2023

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ ብሕቡእ ናይ ክቪድ 19 ክታበት ተኸቲቡ ክትብል ዘቃልሐት ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር፣ 300 ሚልዮን ሺሊንግ እታ ሃገር ወይ ልዕሊ 80 ሽሕ ዶላር ክትክሕስ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እታ ጋዜጣ ነቲ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርጋሓ፣ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ብመንገዲ ጠበቕኡ ኣቢሉ፣ ኣብ 2021 ክሲ ከምዝመስረተ ማዕከን ዜና ኒው ቪዥን ሓቢራ።

እቲ መስርሕ ብቤት ፍርዲ ክጻረ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጋዜጣ ሞኒተር፣ ስም ብምጽላም ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኽበት፣ ብዘይካ’ቲ እትኸፍሎ ናይ ገንዘብ ካሕሳ፣ ነቲ ፕረዚደንት ብወግዒ ይቕሬታ ክትሓትትን ብዛዕባኡ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓሶት ምንባሩ ንተኸታተልታ ክትሕብርን ተበይኑላ።

ከም ብይን እቲ ቤት ፍርዲ ድማ እታ ጋዜጣ ኣብ ናይ 6 ሚያዝያ 2023 ሕታማ፣ ብወግዒ ይቕሬታ ክትሓትት እንከላ፣ እቲ ምስ ክታበት ኮቪድ 19ን ፕረዚደንትን ዝተተሓሓዘ ዜናኣ ሓሲት ምንባሩ ተኣሚና።

ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ እቲ ካብታ ጋዜጣ ዝተኻሕሶ ገንዘብ፣ ናብቲ ንሱ ዝመርሖ ምንቅስቃስ ሃገራዊ ጽንዓት ክኸውን ኣታዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0