ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ተኸሲቱ ብዘሎ ወጥሪ፣ ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: 10 April 2023

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ተኸሲቱ ብዘሎ ወጥሪ፣ ኣብ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከምዝተመሓላለፈ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህሉው ኩነታት እቲ ክልልን እታ ከተማን ብምግምጋም፣ ብ10 ሚያዝያ ኣብ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ከም ባራትን ኣብያተ መግቢን ዝኣመሰላ ትካላት ንግዲ ካብ ሰዓት 9 ምሸት ክዕጸዋ፣ ከም ባጃጅን ሚኒባሳትን ዝኣመሰለ ህዝባዊ መጓዓዝያ ድማ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ኣገልግሎቱ ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ብመንገዲ ናይ ህጹጽ እዋን ኮማንድ ፖስት ኣብ ዘመሓላለፎ፡ 11 ነጥብታት ዝሓቖፈ ናይ ምክልኻልን ምእጋድን ኣዋጃት፣ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን፣ ብዘይካ ናይ ፈደራል ሰራዊት ወትሃደራዊ ልብሲ፣ ናይ ፍሉያት ሓይልታት ይኹን ሚሊሻን ፖሊስን ኣልባሳት እጉድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

እብ ርእሲ’ዚ እቲ ኣዋጅ፣ ብዘይካ ፈደረላዊ ሰራዊት፣ ብረት ዝዓጠቐ ሰብ ኣብታ ከተማ ከይንቀሳቐስ ከልኪሉ ኣሎ።

ኣኼባታት፣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይኹን ኣድማ ምውዳብ ክልኩል ምዃኑ ዝሓበረት እቲ ኣዋጅ፣ ንዝህደኑ ሰባት ዘዕቖበን ዝሓብአን ነባሪ እታ ከተማ ተሓታቲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ነበርቲ እታ ከተማ፣ ናይ ኣጋይሽ ምንቅስቓስ ወይ ዘይፈልጥዎ ሰብ ምስ ዝዕዘቡ ናብ ሓይልታት ጸጥታፈደራላዊ መንግስቲ ክሕብሩ ተነጊርዎም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጎንደር ነዚ ኣዋጅ ዘሕልፍ ዘሎ፣ ንፍሉያት ሓይልታት ክልላትን ምልሻታትን ንምብታን ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ብምቅዋም ንዝተላዕለ ተቓውሞ ንምቑጽጻር’ዩ።

ኣብ ሓያሎ ዞባታት ክልል ኣምሓራ፣ ፍሉያት ሓይልታትን ሚሊሻታትን ነቲ ኣዋጅ ብምቕዋም ምስ ዕጥቖም ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ቶኽሲ ክኸፍቱን፣ ካብን ናብን ከተማታት ዘራኽብ ጎደናታት ክዓጽዉን ከምዝጀመሩ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ብዝብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ እንተወሲዱ፣ ናብ ኵናት ከምርሕ ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ስእሊ፦ ሓይልታት ኣምሓራ -ፋኒ  (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0