ፕረዚደንት በሽር፣ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳንን ኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕሪን ካብ መዝነቶም ሰጕጉ

ፕረዚደንት በሽር፣ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳንን ኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕሪን ካብ መዝነቶም ሰጕጉ

Radio Erena: 28 February 2018

General Adawi

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፣ ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሊዩተናንት ጀነራል ኢማድ ኣል ዲን ሙስጣፋ ዓዳዊ ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎጎ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንመዝነት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ብሊዩተናትን ጀነራል ከማል ዓብደል ማዕሩፍ ኣል ማሂ ተኪእዎ ኣሎ።

ጀነራል ከማል፣ ኣቐዲሙ ኣብ ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቬትናምን ደቡብ ኮያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ሱዳን ከም ፍሉይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ዘገልገለ’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ብዘይካ’ዚ፣ ንኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕሪን’ውን  ካብ መዝነቶም ብምስጓግ ብካልኦት ጀነራላት ተኪእዎም ኣሎ።

ጠንቒ ምቕይያር ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ውሽጣዊ ደጋውን ስግኣታት ዘንጸባርቕ’ዩ ክብሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ፕረዚደንት በሺር ቅድሚ ክልተ ቅነ፣ ንሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ካብ መዝነቱ ብምስጓግ ብካልእ ከምዝተክኦ ይዝከር።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0