ዋንጫ ዓለም፣ ናብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ተካይድ

ዋንጫ ዓለም፣ ናብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ተካይድ

Radio Erena: 28 February 2018

fifa

ዋንጫ ዓለም 2018 ኣብ ሩስያ ንምእንጋድ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እታ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐት ጽዋእ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ተካይድ ኣላ።

በዚ መሰረት፣ እታ ዋንጫ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ናይ ምብጻሕ ዕድል ክትረክብ እንከላ፣ መራሕቲ እዘን ሃገራት ነታ ጽዋእ ኣብ ቤት መንግስቲ ናይ ምቕባል ጽንብላት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ናይ ኣፍሪቃ ዑደታ ብ22 ለካቲት ኣብ ሱዳን ዝጀመረት ዋንጫ ዓለም፣ ኣብ 16 መጋቢት ኣብ ግብጺ ዛዚማ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ከተምርሕ’ያ።

ዋንጫ ዓለም ናይ ኣፍሪቃ ዑደታ ብሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዝፈለመትሉ፣ ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ፡ ማለት ‘ፊፋ’ – ጃን ኢንፋንቲኖ ድማ ብ23 ለካቲት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

ዋንጫ ዓለም ዑደት እተካይደለ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሞዛምቢክ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኡጋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ሰኔጋል፣ ኣይቮሪኮስትን ግብጽን’የን።

እታ ዋንጫ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምውጽኣ ናብ 40 ካልኦት ሃገራት ዓለም ዑደት ብምክያድ ባሕቲ ግንቦት ናብ ሩስያ ክትኣቱ’ያ።

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ 14 ሰነ ክሳብ 15 ሓምለ ኣብ ሩስያ ክካየድ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0