ስዑዲ ዓረብ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካዪዳ

ስዑዲ ዓረብ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካዪዳ

Radio Erena: 01 March 2018

parade saudiንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ምቅይያር ናይ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝርከቦም ኣብ ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝርከቡ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰበ ስልጣን ተካይደሉ ዘላ ምኽንያት ኣይነጸረትን።

እንተኾነ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ብመሪሕነታ ዝካየድ ዘሎን ራብዓይ ዓመቱ ኣቝጺሩ ዝርከብን ኵናት የመን፣ ወትሃደራዊ ዓወታት ክትሓፍሰሉ ብዘይምኽኣላ ንዝተፈጥረ ወትሃደራዊ ዝግታ ከም ሓድሽ ንምብርባሩ ምዃኑ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ደቂንስትዮ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ክጽንበራ ከምዝኽእላ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝኣወጀት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዘካየደቶ ናይ ሰበ ስልጣን ምቅይያራት፣ ንሓንቲ ጓለነስተይቲ ምክትል ሚኒስተር ዕዮ ክትከውን ምምዛዛ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብሕማም ዝሳቐ ዘሎ ወዲ 82 ዓመት ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚል ኣል ስዑድ፣ ንወዲ 32 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ቀዳማይ ወራሲ ዓራትን ድሕሪ ምግባሩ፣ ዓበይቲ ውሳኔታት እታ ሃገር በቲ መንእሰይ ይትግበር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ስዑዲ ዓረብ ካብዚ እትኽተሎ ዘላ ኣኽራሪ ሃይማኖታዊ ኣካይዳ ንምውጽኣ ፖለቲካዊ ራኢ ኣንጺፉ ከምዘሎ ይሕበር።

ንሱ የተግብሮ ካብ ዘሎ መደባት፣ ንደቂንስትዮ መኪና ክመርሓ፣ ኣብ ሰራዊት ክጽንበራ ከምኡ ድማ ኣብ ስታድዮማት ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓቢረን ስፖርታዊ ግጥማት ክዕዘባ ፈቒዱ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ክልኩል ዝነበረ ሲነማታት ክትኣታቶ ጀሚሩ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብራ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0