ፕረዚደንት ሶማል ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይዱ

Radio Erena: 27 October 2020

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዘካየደ ምንጭታት ዜና ካብ ሞቛድሾ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓድሽቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ ምቅይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝተገብረ ዝግለጽ ዘሎ።

ዛጊት ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዝርከብዎም ብውሕዱ 8 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተቐያይሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ምንጭታት ዜና ሶማል፣ 3 ካብኣቶም ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ንገሊኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምስጓግ ንገሊኦም ድማ ዝቐያይረሉ ዘሎ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እዚ ምቅይያር ምስቲ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ክስሕብ ዝብል ጉዳይ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ይዝረብ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0