ፈረንሳ፣ ሓደስቲ ወትሃደራውያን ድሩዓት መካይን ንፈተነ ናብ ኣፍሪቃ ተዋፍር

Radio Erena: 26 October 2020

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቓ፣ “ግሪፎን” ዝተባህላ ሓደስቲ ወትሃደራውያን ድሩዓት መካይን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ንፈተነ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘዋፈረ ተገሊጹ።

እቲ መንግስቲ፣ እተን ጸረ ነፈርቲን ጸረ ታንክን ተሽከርከርትን ሚሳይላት ዝዓጠቓ ድሩዓት፣ ዛጊት ኣብ ጂቡቲን ማሊን ንፈተነ ከምዘዋፈረን’ዮም ዘመልከቱ ወትሃደራውያን ምንጭታት።

እተን ድሩዓት መካይን፣ ብጸላኢ ክልለ ዘይክእል ናይ ለይቲ ብርሃን እናተጠቕማ፣ ኣብ ለይቲ’ውን ስርሒታት ከምዘካይዳን፣ ዝተራቐቐ ራዳርን ራድዮ ርክብን ይውንና።

ብናህሪ እናተሓንበባ፣ ኣብ ናይ ፊተ-ፊት መጥቃዕቲን ካልእ ስርሒታን ክዋፈራ ከምዝኽእላ ዝተሓበራ እዘን ድሩዓት፣ ኣብ ከም ደንካልያ ዝኣመሰለ ኣጻምእን ሑጻ ዝዓብለሎ ሰሓራን ዝህልወን ተጻዋርነት ንምፍታን’የን ናብ ጂቡቲን ማሊን ተላኢኸን።

ውጺእታውያን ኮይነን እንተተረኺበን ድማ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ካልእ ሃገራትን ተኣፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 1200 ካብኣተን ክዓጥቕ’ዩ።

ኣጽዋር ዘይዓጠቐት ሓንቲ ድርዒት መኪና፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር’ያ ተገሚታ ዘላ።

ጎረቤት ፈረንሳ ዝኾነት ቤልጁም’ውን፣ እዘን ድሩዓት ኣድማዕቲ ምዃነን እንተተገምጊሙ፣ 10ታት ንምዕዳግ መዲባ ምህላዋ ድሮ ኣፍሊጣ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0