ፕረዚደንት ሶማል፣ ብዘይ ምርጫ፣ ስልጣኑ ንክልተ ዓመታት ከናውሕ ምውሳኑ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮኒኖም

Radio Erena: 14 April 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓምድ ዓብዱላሂ መሓምድ፣ ብዘይምርጫ ስልጣኑ ንክልተ ዓመታት ክናዋሕ፣ ብባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዝተዋህበ ደገፍ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮኒኖም።

እቲ ውሳኔ ከምዘጉሃዮ ዝጠቐሰ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ‘ንዘተ ሰላምን ምውሓስ ጸጥታን ዕንቕፋት ዝፈጥር’ዩ’ ክብል ገሊጽዎ።

ኣመሪካ፣ ምስቲ መንግስቲ ዘለዋ ዝምድናን ናይ ሽርክነት መደባትን ዳግመ ግምገማ ክትገብረሉ ምዃና ድማ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ብዘይምርጫ፣ ንክልተ ዓመታት ስልጣኑ ከናውሕ ምውሳኑ ከምዘይቅበሎ ኣመልኪቱ።

ቀንዲ መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል ምዃኖም ዝንገረሎም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ንዝበዝሐ ፕሮጀክታት እቲ መንግስቲ ከምዝምውሉ ይፍለጥ።

ብኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝምወ ዝምወል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ኣብ ሶማል ኣዋፊሩ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፣ ብተመሳሳሊ ንውሳኔ ፕረዚደንት ሶማል ተቓውሚሞ ኣለዉ።

ኣብ 8 ለካቲት ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ሶማል፣ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ስለዘይክኣለ፣ ብደገፍ ባይቶ እታ ሃገር፣ ብዘይ ምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ድማ፣ ነቲ ፕረዚደንት ይኹን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ገሊጾም ኣለዉ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0