ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ከተማ ዓድዋ፣ ብዝኸፈቶ ሃንደበታዊ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

Radio Erena: 14 April 2021

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ፣ ከተማ ዓድዋ፣ ብሰኑይ 12 ሚያዝያ፣ ብዝኸፈቶ ሃንደበታዊ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ዛጊት ብዝሒ ናይቶም በቲ ሃንደበታዊ ቶዅሲ ዝተቐትሉ ሰባት ቁጽሪ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይካለ፣ ልዕሊ ብኸቢድን ፈኵስን ዝቖሰሉ፣ ብውሕዱ 20 ሰባት፣ ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዉም ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣረጋጊስጹ።

ጠንቒ’ቲ ብሃንደበት ዝተወልዐ ቶዅሲ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ብመካይን ዝጓዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሓንቲ መኪና ስለዝዓገተቶ፣ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ስለዝመሰሎ ነቲ ሃንደበታዊ ቶኽሲ ከምዝኸፈተ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ዓድዋ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ኣልማማ ቶኽሲ ብምኽፋት፣ ኣብ ህይወት ሰለማውያን ሰባት መጉዳእቲ ከምዘብጽሐ ዝሕበር ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ይስሕብ ዘይኮነ ዘሎ፣ ናብ ሓያሎ ከተማታት ትግራይ ብብዝሒ ይዋፈር ምህላዉ’ዮም ናይ ዓይኒ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱም፣ ጃምላዊ ቅትለትን ካልእ ገበናትን ከምዝፈጸመ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምጥቃሱ ይዝከር።

ኣብ ኣኽሱም ይኹን ካልእ ከባቢታት ትግራይን፣ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝብሃል  ገበናት ኵናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ’ውን ጻውዒት ይካየድ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Asmarino menisei 3 years ago

    ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ዓቢ ሕፍረት ንኤርትራውያን ንሕናስ ወጽዓ ዝሓለፍና ስለ ዝኾና ጸግዒ ውጹዓት ክንከውን ምተገበአ። በንጻሩ ግና ኢሰያስ ታሪኽ ደርግ ኣብ ኤርትራ ሕጂ ኣብ ትግራይ ይደግሞ ኣሎ።