ካብ ገማግም ጂቡቲ ዝተበገሱ፣ 34 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 14 Wednesday 2021

ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዝተበገሱ፣ 34 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት -IOM ብ12 ሚያዝያ ሓቢሩ።

ካብቶም ብዘይሕጋውያ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ፣ ኣብ ጃልባ ተጻዒኖም ድሕሪ ምብጋሶም፣ ግዳያት ሞት ባሕሪ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ብዙሓት ቆልዑ ከምዝርከብዎም ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ መሓመድ ዓብዲኬር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

እታ ጃልባ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ጽዒና ከምዝነበረት ኣይተሓበረን።

ብዙሓት ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ከምዘለዉ ግና እቲ ዳይረክተር ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ 4 መጋቢት፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዝተበገሱ 20 ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

መንነቶም ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት፣ ዛጊት ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምንጭታት ዜና ጂቡቲ ይጠቕሱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0