ፕረዚደንት ሱዳን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ስልጣን ክእለ ምዃኑ ሓቢሩ

ፕረዚደንት ሱዳን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ስልጣን ክእለ ምዃኑ ሓቢሩ

Radio Erena: 08 April 2016

Omar Al

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ስልጣኑ ክእለ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝሓበረ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኮይኑ፣ ኣብ 2020 ኣብ ሱዳን ሓድሽ ፕረዚደንት ክህሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሕጂ ንዝኣተዎ ተመሳሳሊ መብጽዓ ብምጥላም ኣብ ስልታን ክቕጽል ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

 

ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብዚ ናይ 27 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዳርፉርን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸመ’ዩ ዝውቐስ።

ብፍላይ ኣብ 2005 ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተፈጸመ ጸለምቲ ተወላዶ እቲ ዞባ ናይ ምጽናት ስጉምቲ ኢድ ኣለዎ ብዝብል፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከሲዉዎ ይርከብ።

ሱዳን፣ ኣብዚ ናይ 10ታት ዓመተ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብዘይካ’ቲ ብኣመሪካ ዝተነብረላ እገዳ፣ ብምዕራባዊ ዓለም ተነጺላ’ያ ትርከብ።

========================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0