ኣብ ከባቢ ባጽዕ ጽኑዕ ሓለዋ ይካየድ

ኣብ ከባቢ ባጽዕ ጽኑዕ ሓለዋ ይካየድ

Radio Erena: 07 April 2016

Mass

ካብ ገደምን ካልኦት ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝተዋጽኡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ባጽዕ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ተፊሮም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዘን ኣህዱታት ኣብ ከባቢ ባጽዕ ኣብ ሓለዋ ንኽዋፈራ ህጹጽ ትእዛዝ ዝተዋህበን ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተረጋገጸ ፣ ኣብ ዊዓ ዒንን ኣብ ታዕሊም ዝርከቡ ግፉፋት ከይሃድሙ ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ይእምቱ።

ተገፊፎም፣ ካብ ኣቑርደት ኣስታት 5 ኪሎሜተር ርሑቐ ኣብ ዝርከብ ኩርመናዕ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ብዝጸንሐ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፣ ናብ ዓሰብ እናተሰጋገሩ ኣብ ኣስመራ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብዝተኸፍተ ቶዅሲ ሓያሎ ሰባት ከኣ ምማቶምን ምቑሳሎም ኣብ መላእ ሃገር ዓቢ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

 

እዚ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝካየድ ዘሎ ጽኑዕ ሓለዋ’ውን ውጽኢት ናይዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ኤርትራ ንብሩራዊ እዮቤልዩ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ንምጽንባል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ንጥፈታትን ፕሮፖጋንዳን ኣብ ምውዳድ ይርከብ እኳ እንተሎ፣ በንጻር እዚ ግና እዚ ኣብ እዋናት ናጽነት ኤርትራ ዘጋጠመ ቅዝፈት መንእሰያት ንተስፋን ባህግን ህዝቢ ደዊኑ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ 3 ሚያዝያ ካብ መኪና ዘሊሎም ክወርዱ ተረጊጾም ናይ ዝሞቱን ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ህይወቶም ናይ ዝሓለፈን ብዝሒ ኤርትራዉን ናብ 11 ክብ ከምዝበለ ዝተፈላዩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ይጠቕሱ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0