ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ

ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 22 December 2017

kagame and beshir

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ንምፍጻም ብሮቡዕ 20 ታሕሳስ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር ከምዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም እማመታት ከምዝኸተሙ ካብ ካርቱም ዝተመሓላለፉ ጸብጻባት የነጽሩ።

 

ኣውራ ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ካጋመ ናብ ካርቱም፣ ሩዋንዳ፣ ነቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዘሕለፎ ብይን ከምዘይትቕበል ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርግጋጽ’ዩ ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ድማ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ርዋንዳን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ርክባት ብዝምልከት’ውን ከምዝዘተዩ የመልክቱ።

ፕረዚደንት ፓል ካጋመ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ፣ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት፣ ምክልኻልን ንግድን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ርዋንዳ ኣሰንዮሞ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣስታት 8 ሽሕ ዜጋታት ሱዳንን ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ንምስጓጎም ምስዞም መንግስታት ጽዑቕ ርክባት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ርዋንዳ ኤምባሲ ክትከፍትን ቀጥታዊ በረራታት ክትጅምርን ምዃና ዝሓበረት እስራኤል፣ ኣምሳያ ናይቲ ርዋንዳ ንዝተሰጉ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል ምውሳና፣ ነታ ሃገር ቁጠባውን ወትሃደራውን ሓገዛት ክትገብረላ ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

እስራኤል፣ ምስጓግ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ክጅምር ምዃኑ’ያ ትሕብር።

እንተኾነ ርዋንዳ፣ ብዘይድሌቶም ካብ እስራኤል ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘይትቕበል ትገልጽ።
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0