ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ጅቡቲ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይደን

ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ጅቡቲ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 22 December 2017

US France

ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ኣብ ጅቡቲ ገማግም ባሕሪ ዓርታ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ካብ 12 ክሳብ 21 ታሕሳስ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ክልትኤን ሃገራት ዝተሰነየ ኣስታት ሓድ ሽሕ ሰራዊት ተሳቲፉ።

ፈረንሳን ኣመሪካን በብወገነን ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ ልምምዳት ከምዘካይዳ ይፍለጥ።

እዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክልትኤን ሃገራት፣ ፈረንሳን ኣመሪካን ልዕሊ 200 ዓመት ንዘቑጸረ ምሕዝነትን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን መርኣያ’ዩ ክብሉ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልትኤን ሃገራት ኣረዲኦም።

 

ፈረንሳ ንናጽነት ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ንኣመሪካ ክትሕግዝ እንከላ፣ ኣመሪካ ብወገና ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ጎኒ ፈረንሳ ብምስላፍ፣ ንሰራዊት ሂትለር ካብ መሬት ፈረንሳ ንምጽራግ ወሳኒ ግደ ከምዝተጻወተት ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣመሪካን ፈረንሳን ዘካየድኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ነቲ ዝሓለፈ ቅንያት ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዘካየደቶ ብታንክታት ዝተሰነየ ልምምድ ከም ግብረ መልሲ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0