መርሃዊ ቅዱስ፣ ሳልሳይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ

መርሃዊ ቅዱስ፣ ሳልሳይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ

Radio Erena: 22 December 2017

merhawi qudus

ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፣ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፣ ሳልሳይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2017ኮይኑ።

ኣብቲ ብሮቡዕ 20 ታሕሳስ ዝተዋህበ ውሳኔ ደያኑ፣ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ናይ ዓመተ 2017 ኮይኑ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንተዝ ክኸውን እንከሎ፣ ካልኣይ ርዋንዳዊ ዮሴፍ ኣሬሩያ ሳልሳይ ድማ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ተዓዊቶም።

ነዚ ዓመታዊ፡ ብኣዳለውቲ ውድድር ብሽክለታ ቱር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ተወዲቡ ዝወሃብ ሽልማት ንምውሳድ፡ ካብ ዝተሓጽዩ 15 ተቐዳደምቲ እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን እዮም።

ነዚ ክብሪ ካብ ዝተሓጽዩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ መርሃዊ ቅዱስን መኽሰብ ደበሳይን፡ ኣባል ጃፓናዊት ክለብ ኢንተርፕሮ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኣባል ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ ሜሮን ተሾመን፡ ከምኡ ድማ ኣባል ኤርትራዊት ክለብ ኤሪቴል ሜሮን ኣብርሃም፣ ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበ መርሃዊ ቅዱስ’ዩ።

ሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ኣብ 2012 ካብ ዝተኣታቶ ኣትሒዙ፡ ብዘይካ ኣብ 2013 እቲ ዝተረፈ ኩሉ ዓመታት ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እዩ ተባሒቱ።

ናትናኤል ብርሃነ ቦኽሪ ተዓዋቲ ናይ’ዚ ሽልማት ክኸውን ከሎ፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ከኣ ኣብ 2016 ነዚ ሽልማት ወኒኖሞ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝተዓወተ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንተዝ፣ ኣብ 2013’ውን ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ከምዝተሸለመ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0