ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ስልጣኑ ንበዓልቲ ቤቱ ንምስግጋር ንምክትሉ ከምዝሰጎጎ ይግለጽ ኣሎ

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ስልጣኑ ንበዓልቲ ቤቱ ንምስግጋር ንምክትሉ ከምዝሰጎጎ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 08 November 2017

Mugabe and his vice

ብእርጋን ተሰኒፉ ዝርከብ ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ስልጣኑ ንበዓልቲ ቤቱ ንምስግጋር ከኽእሉ፣ ምክትሉ ንዝነበረ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎጎ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልግሎ ምክትል ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ካብ ስልጣን ዘባረረሉ ምኽንያት፣ እቲ በዓል ስልጣኑ እሙን ኣይኮነን ብዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ እርጋን፣ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ከምዘይክእል ዝግለጽ ዘሎ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንምክትል ፕርዚደንት ካብ ስልጣን ዘባረረሉ ምኽንያት ንበዓልቲ ቤት ምክትሉ ብምርቛሕ ንመጻእ ባይታ ከጣጥሓላ ስለዝሓለነ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር የረድኡ።

በዓልቲ ቤት ሮበት ሙጋበ ዝኾነ ጓል 52 ዓመት ግረይስ ሙጋበ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝበዝሐ ምምሕዳራዊ ጉድድዳያት ቤት ጽሕፈት እቲ ኦረዚደንት ተካይድ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ግረይስ ሙጋበ፣ ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል ዝመላለስ ዘሎ በዓል ቤታ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ጠቕሊሉ ዓራት ቅድሚ ምሓዙ ወይ ድማ ብምምምምሞት ቅድሚ ምፍላዩ ኣገደስቲ ዝባህሉ ጽፍሕታት በሕዋታን ናይ ቀረባ ኣዝማዳን ትመልኦ ምህላዋ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ፕረዚንት ሙጋበ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እንደገና ተዓዊቱ ክሳብ ወዲ 100 ዓመት ዝኸውን ንዚምባብዌ ክመርሓ ምዃኑ ኣብ ዘካይዶ ጎስጓሳት ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ምንቕስቓስ’ውን ከየተረፍ ተጸጊሙ ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል የመርሕ ብምህላዉ፣ ቅድም’ቲ ዝካየድ ምርጫ፣ ምክትሉ ኮይና ክትርቛሕ ትጽቢት ዘልዋ በዓልቲ ቤቱ ስልጣኑ ከይተረከበቶ ከምዘይትተርፍ ብሰፊሑ ይዝረብ።

ዚምባብዌ ኣብዚ 38 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ፣ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና ጥራይ ዘይኮነ፣ ብሰንኪ ዝቕባበን ቅልውላው ቁጠባን፣ ካብ 2009 ኣትሒዛ ናይ ገዛ ርእሳ ባጤራ ንምክያድ ተጸጊማ’ያ ጸኒሓ።

ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ሓደ ካብቶም ንምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ 10 ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

10 ግኑናት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ተጠሚጦም ካብ ዘለው መራሕቲ ንኤርትራ ን26 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ከምዝርከቦም ሰነዳት የነጽሩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0