ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 08 February 2017

Soma Ele

ንተደጋጋሚ እዋን ክሰጋገር ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ሎሚ ሮቡዕ 08 ለካቲት 2016 ይካየድ ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተመርጹ ኣባላት ፓርላማ፣ ሎሚ ኣብ ዘካይድዎ ዕጹው ምርጫ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሕ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ክመርጹ’ዮም።

ኣልሸባብን ካልኦት ጉጅለታትን ሶማል፣ መጥቃዕቲ ከየካይዱ ካብ ምስጋእ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተጋቢኦም፣ ፕረዚደንት ዝመርጹ ካብ ዘለዉ 275 ኣባላት ፓርላማ ሶማል እቶም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ድርብ ዜግነት ዝሓዙ’ዮም።

ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ሶማል፣ 24 ሕጹያት ንፕረዚደንት ንውድድር ቀሪቦም ኣለዉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0