ግብጺ፣ ካብ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 08 February 2017

Eg Rus

ግብጺ፣ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ምስ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ስምምዕ ከምዝኸተመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ናይ ነዳዲ ንግዳዊ ስምምዕ ድሕሪ ምብታኹ፣ ነዳዲን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን እትሽምተለን ኣማራጺ ሃገራት ከተናዲ’ያ ጸኒሓ።

ካብ ዒራቕ ዓመታዊ 12 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረ ነዳዲ ንምሽማት ስምምዕ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ጣሪቕ ኤል ሞላ፣ ናብ መልክዕ ማይ ዝተቀየረ ተፍጥሮኣዊ ጋዝ (liquefied natural gas) ድማ ካብ ሰለስተ ሃገራት ንምሽማት ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣረጋጊጹ።

ኣስታት 156 ሽሕ ኩቢክ ሜተር ተፍጥሮኣዊ ጋዝ፣ ካብ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ብ45 መራኽብ ተጻዒኑ ናብታ ሃገር ክኣቱ ምዃኑ ማዕከን ዜና ኣልኣሕራም ገሊጻ።

ግብጺ፣ ነዚ ካብ ሰለስተ ሃገራት እትሽምቶ ዘላ ናይ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትከፍሎ’ያ።

እታ ሃገር ቅድሚ ህዝባዊ ናዕቢ 2011፣ ንውሽጣዊ ሃልክን ንሰደድን ዝበቕዕ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ተፍሪ እኳ እንተነበረት፣ ዳህሳስን ኩዕታን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተደኸመ ብምምጽኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ካልኦት ሃገራት ክትሽምት ተገዲዳ ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ ንግብጺ ክትህቦ ዝተመባጽዓቶ ነዳዲ ዝርከቦ ናይ 22 ቢልዮን ዶላር ውዕል ድሕሪ ምስራዛ፣ ግብጺ ናይ ነዳዲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ሓያሎ ሃገራት’ያ ከተቋምት ጸኒሓ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0