ፕረዚደንታት ኤርትራን ጂቡቲን ርክብ ኣካዪዶም

ፕረዚደንታት ኤርትራን ጂቡቲን ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 18 September 2018

iseyas and guelehፕረዚደንታት ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ከተማ ጅዳ ከምዝተራኸቡ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብዕለት 17 መስከረም ዝተኻየደ ርክብ፣ እቶም ፕረዚደንታት ነቲ ኣብ ጂቡቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈረመ ኣፈናዊ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ዝኾነሉ መንገድታት ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

ርክብ መራሕቲ’ዘን ኣብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ወጥሪ ዝጸንሓ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ብንጉስ ስዑዲ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ዝተጸወዐ ከምዝኾነ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ዓደል ኣል ጁበይር ገሊጹ።

 

ዓደል ኣልጁበይር ብተወሳኺ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ጂቡቲን ከምኡ’ውን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ንንጉስ ሳልማን ምስጋንኦም ኣቕሪቦም ኢሉ።

እንተኾነ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ዘተ ዝኾነ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0