ኢትዮጵያ: ናይ ብሄራት ግጭት ዘስዓቦ ሞት ናይ ልዕሊ 20 ሰባት ንምቅዋም፣ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ

ኢትዮጵያ: ናይ ብሄራት ግጭት ዘስዓቦ ሞት ናይ ልዕሊ 20 ሰባት ንምቅዋም፣ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ

Radio Erena: 18 September 2018

addis demኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሄራት ግጭት ዘስዓቦ ሞት ናይ ልዕሊ 20 ሰባት ንምቅዋም፣ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብዓርቢ 14 መስከረም ጀሚሩ ናብ ቀዳመ ሰምበት ዝቐጸለ ዓሌታዊ ግጭት፣ ልዕሊ 880 ሰባት ከምዝተመዛበሉ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን። ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣቐዲሞም ዝተወደቡ ጉጅለታት ሰባት ክቐትሉን፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ንብረት ክዘምቱን ምስ ጀመሩ ህዝቢ ቤት ንብረቱ ገዲፉ ናብ ቤተክርስትያናት ክዕቆብ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

 

ነዚ ኣብ ቀዳመ ሰምበት ዝተራእየ ዓሌታዊ ግጭት ንምቅዋም ከኣ ብሰኑይ 17 መስከረም፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቐማጦ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ክሕሉ ደኣምበር፣ ዝሞተ ምስ ሞተ ናይ ሓዘን መግለጺ ምውጻእ ኣይጠቕመናን’ዩ ክብሉ ገለ ሰልፈኛታት ንጋዜጠኛታት ቃሎም ሂቦም።

እንተኾነ ኣብቲ ህይወት 23 ሰባት ዝቐዘፈ ግርጭት ንምቅዋም ዝተጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ጀነራል ዘይኑ ጀማል ንጋዜጠኛታት ሃገሩ መግለጺ ሂቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ በቲ ፍጻሜ ዝተቖጥዑ ገለ ሰልፈኛታት ካብቶም ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ብረት ክምንዝዑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ግጭት ከምዝተላዕለ ገሊጹ።

ኣብቲ ፍጻሜ ገለ ሰባት እውን ተፈንጃሪ ቦምባታት ሒዞም ከምዝተረኽቡ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ብገለ ወገናት ተኸፊሎም ጸጥታ ህዝቢ ንምዝራግ ዝተዓስቡ ዝበሎም ውልቀሰባት፣ ብምትሕብባር’ቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝለዓል ዘሎ ዓሌታዊ ግጭት፣ ተቓዋሚ ውድብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዕጥቁ ፈቲሑ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ኣብ መንጎ ደገፍቱን ተቐማጦ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብዝተጎሃሃረ ምፍጣጥ’ዩ ጀሚሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0