18 መስከረም ምእሳር ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ፣ ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ትዝከር

18 መስከረም ምእሳር ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ፣ ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ትዝከር

Radio Erena: 18 September 2018

17minsilence18 መስከረም ምእሳር ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ብዝርከቡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ትዝከር ኣላ።

ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ንዘቕረቡሉ እማመ ብልዝብ ክፈትሖ ብዘይምድላዩ፣ ንኣባላት ህግደፍን ባይቶን ኣብ ዝዘርግሑዎ ቅሉዕ ደብዳበ፣ ማእከላይ ባይቶ ውሽጣዊ ሕግታት ከምዘይሓንጸጸ፣ ኣኼባታት ፈጻሚ ቤትጽሕፈትን ማእከላይ ባይቶን ከምዝቦኾረ፣ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ ኣቦ ወንበር ባዕሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምዃኑ ከም ጠንቁ ከኣ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምጅማር በይናዊ ውሳኔ ምግባሩ ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ነዝን ካልእን ጠለብ ዘቕረቡ ፖለቲከኛታትን ድምጾምን ድምጺ ህዝቦምን ኣብ ምስናድ ዝነጠፉ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሜድያን፣ ከካብ ዝተረኽቡሉ ተኣርዮም ኣብ መሓዩር ካብ ዝኣተዉላ ዕለት ጀሚሩ፣ ብዘይዝኾነ ደሃይ ምስዋሮም፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ጸሊም ነጥቢ ዝገደፈ ፍጻሜ ኮይኑ ይርከብ።

 

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝርከቡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ናይ 17 ደቓይቕ ናይ ጸጥታ ግዜ ንዕለት 18 መስከረም ብምጽዋዕ፣ ንዝኽሮም ደው ከምዝብሉ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ብመሰረት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ሓደ ካብ ረገጽቲ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ተባሂሉ ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝሰፍር 17 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኤርትራ’ውን ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ ብናጽነት ፕረስ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።

እዞም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ወርሒ መስከረም እናክትመጽእ፣ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዝኽበረላ፣ ሰብ ብቅሳነት ወፊሩ ዝኣትወላ፣ ቅዋማዊትን ብስርዓተ ሕግን እትመሓደር ክሳብ እትኸውን ቃልሶም ከምዝቕጽሉ፣ መብጽዓኦም ዘሐድሱላ ወርሒ ኮይና ትርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0