ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዑደቶም ሰሪዞም

ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዑደቶም ሰሪዞም

Radio Erena: April 24, 2014

Abune Mathias

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ብሰንኪ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፣ ናብ ግብጺ ከካይድዎ ዝተወጠነ ዑደት ተሰሪዙ።

ሳባሕ ዝተባህለ መዓልታዊ ጋዜጣ ግብጺ ስሞም ንዝዓቐበቶም ምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ምስሕሓብ እንከለዋ፣ ኣቡነ ማትያስ ናይ ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ዑደት ከካይዱ ካልእ ሳዕቤን ከይህልዎ ካብ ዝብል ስግኣት ዑደቶም ክስርዙ ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ኣቡነ ቴዎድሮስ ካልኣይ ስለዝተነግሮም’ዩ።

 

ኣቐዲሙ’ውን ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝሕእለፈ ዕእመት ኣብ ወርሒ ሰነ ከካይድዎ ተወጢኑ ዝነበረ ዑደት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከምዝተሰረዘ’ዩ ዝግለጽ።

ናብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ዑደት ከካይዱ ዝወጠኑ ኣቡነ ቴዎድሮስ ካልኣይ ናይ ግብጺ’ውን ብሰንኪ’ዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ግብጽን ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከካይድዎ ዝመደቡ ዑደት ክስርዙ ምግዳዶም ጋዜጣ ሳባሕ ጠቒሳ።

ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ክስራዕ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ናይ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዲጋ፣ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ካይሮን ኣብ ምስሕሓብ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ስእሊ፣ ሪፖርተር

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0