ሕ.ኢ. ዓረብ ንሓሙሽተ ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ ኣበርኪታ

ሕ.ኢ. ዓረብ ንሓሙሽተ ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: April 24, 2014

Eritrean Children

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ፣ ንኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ ከምዘበርከተ ኣገልግሎት ዜና ኢማራትስ ኣፍሊጡ።

እቲ ብማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዝተለገሰ ክዳውንቲ፣ ከም ኣካል ናይቲ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሽድ ዝተመወለ ንሓደ ሚልዮን ድኻታት ቆልዑን ህጻናትን ንምኽዳን ዝዓለመ ፕሮጀክት ምዃኑ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

እቲ ን5 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ዝተለገሰ ክዳውንቲ፣ ትማሊ 23 ሚያዝያ ናብ ሽዱሽቲኤን ዞባታት ኤርትራ ከምዝተኸፋፈለ’ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቕስ።

 

ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ ንዘድልዮም ኤርትራውያን ቆልዑ ኣብ ምልላይ ይኹን ነቲ ክድዋንቲ ኣብ ምክፍፋል፣ ብዓሊ ቢን ሻሚል ኣል ቓቢ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢማራት ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቐል ኤርትራን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብምዃን ከምዘካየድዎ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ይርከብ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0