ፍሉይ ልኡኽ ኢጣልያ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ንምዝታይ ኣስመራ በጺሑ

Radio Erena: 15 December 2016

Luciano

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሉቺያኖ ፔዞቲ፣ ብጉዳይ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፣ ንስምምዕ ካርቱም ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ድሕሪ ምግምጋም፣ ኢጣልያ ካብ ኤርትራን ጎረባብታን ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶን ብዝምልከት ከምዝዘተየ እቶም ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ድሕሪ ዝቀረበሉ ሓበሬታ፣ ኢጣልያ ኣብዚ መደባይ’ዚ ምስ ኤርትራ ክትተሓጋገዝ ቅርብቲ ምህላዋ ጠቒሱ።

 እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ኣብ 8 ታሕሳስ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ፈጺሙ’ዩ።

ኢጣልያ ብዘይካ’ዚ፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ’ውን ሰበ ስልጣናታ ብተደጋጋሚ እዋን ናብ ሱዳን ኣብ ምልኣኽ ትርከብ።

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኣብቲ “ኣውራ መናሃርያ ስደተኛታት’ዩ” እትብሎ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ሓያሎ መደባት ፕሮጀክታት ሓንጺጻ ከምዘላ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0