ደቡብ ሱዳን፣ ንተቓወምቲ መንግስቲ ካርቱም ትሰጉግ

Radio Erena: 16 December 2016

South Sudan De

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ካርቱም ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ከምዝወጹ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኩል ማንያንግ ጁክ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ተቓወምቲ መንግስቲ ኣልበሽር፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ክወጹ ንዝተዋህቦም መምርሒ ከምዘተግበሩ ብምጥቃስ፣ ደቡብ ሱዳን ናይ ወጻኢ ተቓወምቲ ከምዘየድልዩዋ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ መሬቱ ክወጹ ዝነግሮም እሞ ዝሓንገዱ መራሕቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ዳርፉር ከምዝቐየደ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

እቲ መንግስቲ ንተቓወምቲ ካርቱም ዝሰጉግ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ።

መንግስቲ ኣልበሽር’ውን፣ ነቲ ብሬክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ ደቡብ ሱዳን ይኹን ካልኦት ጉጅለታት ኣብ መሬቱ ከምዘየእንግድ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ንተቓዋሚ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ቦታ ምኽልአን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንኽሰፍን ዘለወን ድልየት ዘንጸባርቕ’ዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኩል ማንያንግ ጁክ የረድእ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0