መንገዲ ኣየር ቀጠር ናይ ኣስመራ በረራታቱ ዘቋረጸሉ ምኽንያት፣ ምስ ምዝዛም ‘ቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ጉዳይ ከምዝተሓሓዝ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 December 2016

Qatar

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናይ ኣስመራ በረራታቱ ዘቋረጸሉ ምኽንያት፣ ቀጠር ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ከምዝዛዘመት ዘንጸባርቕ’ዩ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራ – ዶሓ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዘቋረጸሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይሓበረን።

እንተኾነ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ብሰንኪ ክሳራታት ናይ ኣስመራ በረርኡ ደው ከምዘበለ’ዩ ዝንገር።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረሉ ምኽንያት፣ ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝነበረ ዲፕሎማሲ ብዘይዕንቅፋት ንምቕጻሉ ደኣ’ምበር ካብ ናይ ኤርትራ በረራታት መኽሰብ ንምርካብ ከምዘይነበረ’ውን እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ጠቒሶም።

መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝነበረ ኩሎም ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከምዝለቐቐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ድሕሪ ምግላጹ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ድማ ነቶም ብመንግስቶም ተኻሒዶም ዝጸንሑ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ናጻ ከምዝለቐቐ ዝዝከር’ዩ።

ቀጠር፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ጉዳይ ከምዝተዛዘመ እኳ ብወግዒ እንተዘይሓበረት፣ ምቁራጽ መንገዲ ኣየር ሃገራ ግና ሓደ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝትንተን።

ይኹን’ምበር፣ ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ጅቡትን ሕጂ’ውን ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡዩ ዝርከብ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከቋርጽ እንከሎ እቲ ናይ ጅቡቲ ግና ብስሩዕ’ዩ ዝቕጽሎ ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ነቲ ናይ ኣስመራ በረራታቱ ድሕሪ ምቁራጹ’ውን፣ ናብ ሲሸልስ ሓድሽ መስመር ምጅማሩ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ብቀዳም 3 ታሕሳስ ናይ መወዳእታ በረርኡ ካብ ኣስመራ ብምክያድ፣ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎቱ ከምዘቋረጸ ይፍለጥ።

ብ3 ታሕሳስ ካብ ኣስመራ ናይ መወዳእታ በረርኡ ዘካየደ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ኣቐዲሞም ትኬት ንዝቖረጹ፣ ትኬቶም ክሳብ ዝስርዙ ወይ ድማ ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ክሳብ ዝቕይሩ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ክሳብ 28 ለካቲት 2017 ክፉት ኮይኑ ከምዝጸንሕ ኣፍሊጡ።

ትኬት ንዝስርዙ ይኹን ንዝቕይሩ ዝኾነ ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይሓትት’ውን እቲ መንገዲ ኣየር ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብን ናብን ኣስመራን ካልእ ክፋል ዓለምን ዘራኽባ ክልተ መንገዲ ኣየር ቱርኪን ግብጽን ጥራይ’የን።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0