ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም

ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም

Radio Erena: 25 May 2017

US Yemen

ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ስርሒት ከምዘካየዱ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ፍሉያት ሓይልታት፣ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣልቓዒዳ ምዃኑ ኣብ ዝተጠርጠረ ቦታ፣ ብሰሉስ 23 ግንቦት ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ ስርሒት ሸውዓተ ኣባላት’ቲ ናይ ሽበራ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ጠቒሱ።

ካብ ኣባላት እቲ ፍሉ ሓይሊ ኣመሪካ’ው ዝቖሰሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፣ ቁጽሮም ይኹን ዝበጽሖም ዓይነት ጉድኣት ኣይሓበረን።

ፕረዚደንት ድናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ኣብ የመን ናይ ኣጋር ወትሃደራዊ ስርሒት ክካየድ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት’ውን ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ፣ ኣብ የመን ክካያድ ኣብ ዝኣዘዞ ናይ ኣጋር ወትሃደራዊ ስርሒት፣ ሓደ ኣባላ ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ክቕተል እንከሎ፣ ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ ዝተራቐቐት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብቲ ስርሒት ከምዝተቓጸለት’ውን ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ወርሒ ጥሪ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 25 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቀትሉ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ወገናት፣ እቲ ስርሒት ፍሹል ምንባሩ’ዮም ዝገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0