ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ

Radio Erena: 25 May 2017

Dr Tedros

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ተመሪጹ።

እቲ ኣቐዲሙ’ውን ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ 186 ኣባላት ሃገራት ባይቶ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰሉስ 23 ግንቦት ብዝሃብዎ ድምጺ ናይ 122 ኣባላት ሃገራት ደገፍ ብምርካብ’ዩ ተዓዊቱ ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ 7 ሚያዝያ 1948 ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተማ ጀኔቫ ካብ ዝምስረት፣ ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓላፊ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ’ዩ።

 

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0