“ግብጺ፣ ኣንጻር ሱዳን ትኣልሞ ውዲት የብላን፣” ፕረዚደንት ኣል ሲሲ

“ግብጺ፣ ኣንጻር ሱዳን ትኣልሞ ውዲት የብላን፣” ፕረዚደንት ኣል ሲሲ

Radio Erena: Radio Erena: 26 May 2017

Al sisi

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ሃገሩ ኣንጻር ሱዳን ትኣልሞ ውድት ከምዘይብላ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብኣጋጣሚ’ቲ ምስ ቻንስለር ኦስትርያ ክርስትያን ከረን፣ ብሮቡዕ 24 ግንቦት ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ግብጺ ምስ ሱዳን ይኹን ካልኦት ሃገራት ተጻብኦ ንምፍጣር ዕላማ ከምዘይብላ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ሱዳን ንዘቕርቦ ዘሎ ክስትታት ነጺጉ።

ግብጺ፣ንመንግስቲ ሱዳን ንምእላይ ንተቓወምቲ ሱዳን ተዕጥቕ ኣላ ክብል ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፣ ብሰሉስ 23 ግንቦት ከምዝወቐሰ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።

ካብ ግብጺ ዝተለገሳ ወትሃደራውያን መካይንን ካልእ ኣጽዋርን ካብ ኢድ ዕጡቓት ተቓወምቲ ከምዝማረኹ’ውን ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሱዳን ይገልጹ ምህላዎም እቲ ማዕከን ዜና የመልክት።

መንግስቲ ሱዳን፣ ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ትድግፍ ኣላ ክብል ዝወቕስ ዘሎ፣ ብጉዳይ ዶብ፣ ዋንነት ዞባ ሓላይብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኸሲቱ ንዘሎ ምስሕሓብ ንምዝርራብ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ሱዳን ዝመጽእ ሰሙን ናብ ካይሮ ክገይሽ ምዃኑ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ኣብ ቀጠር ድሕሪ ዝተኻየደ ዶሓ ፎሮሞ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ምስ ግብጺ ንዘሎና ዶባዊ ምስሕሓብ ብኵናት ክንፈትሖ ኣይንደልን ኢና ክብል ምግላጹ ኣይርሳዕን።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0