ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ ክትጥርዝያ

Radio Erena: 08 December 2016

France to Deport

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ንዝገለጹ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ ንምጥራዞም ይዳሎ ከምዘሎ ላ ሲማድ ዝተባህለ፣ ንኩነታት ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዝከታተል ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ እቶም ካብ 26 ሕዳር ኣትሒዞም፣ ‘መኒል ኣመሎ’ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ተቐይዶም ዘለዉ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ ንምጥራዞም መንግስቲ ፈረንሳ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ርክብ ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።

እዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝነበሩ ኮይኖም፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንካሌ ከዕንዎ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ነቶም ዝበዝሑ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ወይ ከኣ ካብ ፈረንሳ ክወጹ ‘ዩ ክእዝዝ ጸኒሑ።

እዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝሓበሩ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ’ውን ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ኣይንሓትትን ስለዝበሉ፣ ካብ ፈረንሳ ክወጽሉ ዝግብኦም ግዜ ስለዝሓለፈ ተቐይዶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ላ ሲማድ የመልክት።

ንሳቶም ኣብ ሚያዝያ 2016 ናብ ፈረንሳ ድሕሪ ምእታዎም፣ ክሳብ ወርሒ ሕዳር፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ’ዮም ጸኒሖም።

ብመሰረት ሓበሬታ ላ ሲማድ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ መዓስን ናበይ ሃገር ከምዝጥርዞምን ኣየነጸረን።

እንተኾነ፣ ፈረንሳ ንኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ዝብል መርገጺ ስለዘለዋ፣ ጉዳዮም ዳግም ኣብ ቤት ፍርዲ ተራእዩ፣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ወይ ናብ ኢጣልያ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ፈረንሳ፣ ኣቐዲማ’ውን ንሓደ ሱዳናዊ ናብ ዓዱ ከምዝጠረዘት እቲ ትካል ኣዘኻኺሩ።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭ 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0