ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጅቡቲ ኣብ ቻይና ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 08 December 2016

China Dji MM

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ዛካርያ ሸኽ ኢብራሂም ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጅቡቲ ኣብ ቻይና ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ካብ ቤጂንግ ሓቢሩ።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኣብ ቻይና ብ5 ታሕሳስ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ መራሒ ቻይና ጀነራል ፋን ቻንግዮን ብምርኻብ ብዛዕባ’ቲ ድሮ ጀሚሩ ዘሎ ምህናጽ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ቻይና ኣብ ጅቡቲ ተዘራሪቡ።

ብጀነራል ፋን ቻንግዮን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣብ ጅቡቲ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ዝዝከር’ዩ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከም ተቕውም ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ እተቝሞ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ቻይና ንጅቡቲ ፊናንስያዊ፣ ልምዓታውን ወትሃደራውን ሓገዝ ክትገብረላ ምዃና ይግለጽ።

ኣብ መሬታ ህላወ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከራት ፈረንሳ፣ ኣመሪካ፣ ጃፓንን ቻይናን ኣእንጊዳ ዘላ ጅቡቲ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት’ውን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ኣልዓረብያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0