ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ትወስድ

Radio Erena: 06 December 2019

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስን ካልእ ከተማታት ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ክቅመጡ ንዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለየ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይወስዶም ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ ዘተግብር ዘሎ፣ ከቢድ ዛሕልን ውርጪን ዝሓዘለ ወቕቲ ሓጋይ፣ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሓዙ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ናብ ፈረንሳ ብምእታው ዑቕባ ንምሕታት እኳ እንተፈተኑ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣተኣታትዎ ብዘሎ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መስርሕ፣ ንብዙሓት ኣሸጊሩ ይርከብ።

ብሰንኩ ድማ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፣ መስርሕ ዑቕባ ከይጀመሩ ንኣዋርሕ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብዚ ሓያል ቀዝሒን ውርጪን ዝዓበለሉ ወቕቲ፣ ንደቂሰብ ኣብ ግዳም ክሓድሩ ምሕዳግ፣ ምስ ምግሃስ መሰል ደቂሰብ’ዩ ዝጽብጸብ ብምባል ክጣበቑ ዝጸንሑ ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ንመንግስቲ ፈረንሳ ብትሪ ኣብ ምውቃስ ይርከቡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነቶም ኣብ ጎደናታት ክናበሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀምሩ ናብ ግዝያዊ መጽለሊታት ይወስዶም እኳ እንተሎ፣ ነባሪ ፍታሕ ዘይምዃኑ’ውን እቶም ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ይነቕፉ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዘኽእሎ ተሪር ውሳኔታት ንምሕላፍ፣ ምስ ኣባላት ባይቶን ዝተፈላለዩ ኣካላት እታ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ዘተ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0