ኖርወይ፣ መንበሪ ፍቓድ ዝተነጽገት ኤርትራዊት ናብ ስራሕ ዝቖጸረ ካህን ናብ ፍርዲ ክቐርብ’ዩ

Radio Erena: 06 December 2019

ኣብ ኖርወይ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብላ ኤርትራዊት ስደተኛ ናብ ስራሕ ዝቖጸረ ካህን ናብ ፍርዲ ክቐርብ’ዩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ሉተራን ኣቡን ቤተ ክርስስታን ኦስሎ ዝነበረን፣ ጉናር ስታልሰት ዝተባህለ ካህን፣ 55 ዓመት ንዝዕድሚኣ ሉላ ተኪኤ ንዝተባህለት ኤርትራዊት፣ ኣብቲ ንሱ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስትያን’ዩ ኣብ ናይ ጽሬት ስራሕ ቆጺሩዋ።

ንሳ ናብ ኖርወይ ካብ እትኣቱ ልዕሊ 19 ዓመታት ኣቑጺራ’ላ።

እንተኾነ፣ ሕቶ ዑቕባ ካብ እትንጸግ ድማ 14 ዓመታት ብምግባራ፣ ብሕጊ ነርወይን መብዛሐን ሃገራት ኤውሮጳን ድማ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ክሰርሕ ስለዘይፍቀድ፣ ኣብ ጠልጠል ጸኒሓ።

ኩነታታት ዝተዓዘበ ካህን ጉናር፣ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ እናተመላለሰት፣ ንመነባብሮ ዝሕግዛ ኣታዊ ትረኽበሉ ግዝያዊ ናይ ጽሬት ስራሕ’ዩ ፈጢሩላ።

መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ስራሕ ቆጺርካ ተባሂሉ ድማ ሕጊ ብምጥሓሱ ክሲ ተመስሪትሉ።

ማዕከናት ዜና ነርወይ ብዘቕርብኦ ሓበሬታ መሰረት፣ ንታሕሳስ 19 ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ኮይኑ እንተረኺቡ፣ ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል።

ንሱ ብዝህቦ ዘሎ መብርሂ፣ ንዝተሸገሩ ምሕጋዝ፣ ልዕሊ’ቲ ብሕጊ ከሕትቶ ዝኽእል ጉዳይ ጌሩ ከምዝርእዮ እፍሊጡ ኣሎ።

ሓያሎ ካህናትን ፖለቲከኛታን ነርወይ’ውን ደገፎም ሂቦሞ ኣለዉ።

ኣብ ነርወይ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣለዉ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ነርወይ፣ ንኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ፖሊስ ስለዘይብሉ፣ መብዛሕቶም ጉዳዮም ኣብ ጠልጠል ይርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0