ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት፣ ነቶም ኣስታት 300 ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዛ

ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት፣ ነቶም ኣስታት 300 ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዛ

Radio Erena: 29 October 2015

Calais

ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ኣብ ጣሻታት ይነብሩ ካብ ዘለው ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት፣ ነቶም ኣስታት 300 ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዛ።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ሱዳን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ካብ ሰሙናት ክሳብ ኣዋርሕ ኣብ ጣሻታት ካሌ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ክነብሩ ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ጻውዒት መንግስቲ ፈረንሳ ብምቕባል ኣብታ ሃገር ክተርፉ ድሕሪ ምውሳኖም’ዮም፣ ብኣውቶቡሳት ናብ ውሕስ ቦታ ግዒዞም።

እቶም ስደተኛታት፣ ትማሊ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ፣ ናብቲ ዝተዳለወሎም ግዝያዊ መጽንሒ ስደተኛታት ኣብ ዝተፋነውሉ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናር ካሳኖቭን ካልኦት ሰበ ስልጣን ፈረንሳን ተረኺቦም።

 

መንግስቲ ፈረንሳ፣ እቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ኣብ ጣሻታት ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ክሓቱ ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርብ እኳ እንተሎ፣ መብዛሕቶም ኣይተቐበልዎን።

ኣብ ካሌ ኣብ ግዳም ካብ ዝሓድሩ ዘለዉ ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ይርከብዎም።

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ኣብ ዝዓነወ ህንጻ ክነብሩ ንዝጸንሑ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታትት 1300 ስደተኛታት፣ ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ’ዩ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0