ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ “ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ የኽፍል ኣሎ፣” ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ

ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ “ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ የኽፍል ኣሎ፣” ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ

Radio Erena: 29 October 2015

Consul

ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ሃገር ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ የኽፍል ኣሎ ዝብል ክሲ ከምዝተመስረተሉ፣ ንኣፈኛ ኣኽባር ሕጊ ስዊዘርላንድ፣ ካቲ ማረት ብምጥቃስ ኣብ ፓሪስ እትሕተም ጋዜጣ ለ ፊጋሮ ሓቢራ።

እቲ ናብ ፈደራላዊ ፖሊሲ ኣታ ሃገር ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ምጽራይ ይግበረሎ ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ኣፈኛ፣ ንሕጊ ስዊዘርላንድ ዝጻረር እንተኾይኑ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ኣፍሊጣ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ዝሓበረ ጸብጻብ ለ ፊጋሮ፣ ሓያሎ ካብዞም ኤርትራዉያን ናብ ቆንስል ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ከምዝኸፍሉ የመልክት።

 

ካናዳን ብሪጣንያን ነዚ ብኤምባሲታት ኤርትራ ዝግበር ምኻፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ብዕቱብ ክሕዝኦ እንከለዋ፣ ሽወደንን ስዊዘርላንድን ከኣ ኣሰረን ክስዕባ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሓያል ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብ ካልእ ናይ ስዊዘርላንድ ዜና፣ ፕረዚደንት ስዊዘርላንድ ሲሞነታ ሶማሩጋ፣ ኣብ ጉዳያት ዋሕዚ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተዘራሪባ።

ኢትዮጵያ ድኻ ሃገር ክነሳ፣ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ተዐቁብ ምህላዋ ዝሓበረት ፕረዚደንት ሲሞኒታ፣ ስዊዘርላንድ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላ ዘተኮረ ሓገዝ ነታ ሃገር ከተበርክት ምዃና’ውን ገሊጻ።

እታ ፕረዚደንት፣ ሶማላውያን ተዓቝቦምሉ ንዘለዉ፣ ኣብ ጂጂጋ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዑደት ከምዘካየደት’ውን ማዕከናት ዜና ስዊዘርላንድ ሓቢረን።

ኢትዮጵያ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ኣዕቁባ ከምዘላ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሲሞነታ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደታ ብዘይካ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምትኳር’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተዘራሪባ’ያ።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0